ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎንፂ ደቡብ ሱዳን ብህፁፅ ንከብቅዕ ኣሜሪካ ፀዊዓ


ካምፕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን
ካምፕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን
ተፃባእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ንውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ብዘይውዓል ሕደር ክፍርሙ፣ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ድማ ንእሱራት ክፈትሑ፣ኣሜሪካ መፀዋዕታ ኣቅሪባ።

ኣማኻሪት ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝኾና ዶ/ር ሱዘን ራይስ ትማሊ ምሸት ዝዘርገሐኦ መግለፂ፣ንመርገፂ ኢጋድ ዘንፀባርቅ‘ዩ።

እቲ መግለፂ ኣሜሪካ ነቲ ብሸምገልቲ ኢጋድ ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን ጀነራል ላዛሮ ሱምቤዮዋን ይሳለጥ ዘሎ መስርሕ ልዝብ ብሙሉእ ልቢ ትድግፍ ይብል።

እማመ ኢጋድ ጎንፂ ደቡብ ሱዳን ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝፅውዕ ዝፍለጥ‘ዩ።
እንተኾነ ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ሎሚ ዓርቢ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ኣይተዘራረቡን።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ ሓይልታት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ተቃወምቲ ዝቀነየት ርእሰ-ከተማ ክፍለ-ሃገር ዩኒቲ ባኒቱ ከምዝተቆፃፀሩ ወትሃደራዊ ወሃቢ-ቃል ሎሚ ኣፍሊጡ።
XS
SM
MD
LG