ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ግብረ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ኩነታት ትግራይ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከንኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ ጭፍጨፋ ብምኹናን ሕብረት ኣፍሪካን ዓለምለኸ መሻርኽትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተኸሰተ ዓሚቕ ቅልውላው ክፍታሕ ክሕግዙ ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ፀዊዖም።ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ጣልቃ ከም ምእታው እዩ ኢሉ ኣሎ።

ናይ ብሊንከ መግለፂ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ‘’ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው’’ኢሎም ንዝገለፁዎ ክስተት ክሳብ ሎሚ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተውሃበ ምላሽ ብዝምክለት ጓህዮም እናዓበየ ምምፅኡ ዝሕብር እዩ።

ናቶም መግለፂ ዝተሰምዐ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንኣማእቲ ስቪላት ጨፍጪፎም ዝብል ሪፖርት ድሕሪ ምውፅኡ ድሕሪ ሓደ ማዕልቲ እዩ።

ኤርትራ ነቲ ኽሲ ነፂጋቶ ኣሎ።

‘’ዩናይትድ ስቴትስ ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዕን ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ እናኸፍአ ይኽይድ ብዘሎ ኩነታትን ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዋ ኣሎ’’ ኢሎም ብሊንከን።

ንሶም ብምቕፃል ‘’ዓለምለኸ ኣጋራት ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ መሻርኽትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ብሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሰርሑ ንፅውዕ’’ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።

ፌዴራል ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ንህወሓት ካብ ስልጣን ምስ ኣባረረ ሎሚ እውን ብዝተሓተ ደረጃ ውግእ ቀፂሉ ይርከብ።

ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም፣ኣማእቲ ኣሽሓ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ሕፅረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኣጋጢሙዎ ይርከብ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ወታደራት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ምስታፎም ኣሉታ ሂበናሉ ኣለዋ።ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሓደ ወታደራዊ ጀነራል ኢትዮጵያን ሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ገሊፆም እዮም።ሓደ ሽሙን ስልጣኑን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ንቪኦኤ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ እውን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይም እታዎም ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብዘካየዶ መባእታዊ ምርምራ ወታደራት ኤርትራ ቁፀሮም ንዘይተፈልጡ ስቪላት ኣብ ኣክሱም ቀቲሎም ኢሉ ኣሎ።እቲ ቅትለት ቅድም ክብል ብወታደራት ህወሓት ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሒነ ንምፍዳይ እዩ ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

ኣምነስቲ ኣብ ፀብፃቡ ከምዝሓበሮ ወታደራት ኤርትራ ንሰቡእትን ትሕቲ ዕድመ ኣዋዳትን ኣብ ጎደናታት ረሺኖም፣ሰፊሕ ስርቂ ንብረት እውን ፈፂሞም ኢሉ።

ብሊንከን ኢትዮጵያ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመር ዓለምለኸ ሓገዝ ከምእትቕበልን ብዘይደረት ሰብኣዊ ሓግዝ ክቐርብ ከምእትፈቅድን ቅርብቲ ምዃና ሓቢሮም ኣለው።

‘’ብዘይ ውዓል ሕደር ሓይልታት ኤርትራን ናይ ክልል ኣምሓራ ሓይልታትን ካብ ትግራይ ምውፃእ ኣገደስቲ ቀዳማይ ስጉምታት እዮም’’ኢሎም ኣለው ብሊንከን።

‘’እዚኦም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ምቁራፅ ተፃብኦ ብምእዋጅን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ትካላት ብዘይደረት ረድኤት ከከፋፍሉ ፍቓድ ብምሃብን ክዕጀቡ ኣለዎም’’ኢሎም ብሊንከን ኣብ መግለፂኦም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዘውፅኡዎ መግለፂ ንልዑላዊነት ኢትዮጵያ ዝዳፋእ እዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

መሓዙት መንግስታት ነቲ ኩነትታት ብትኽክል ክግንዘቡዎ ኣብ ምርዳእን ዝተዛብዐ ብልዝብ ኣብ ምቅናዕን ኢትዮጵያ ፃዕሪ ከም እተካይድ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

‘’ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይዚ ነገዱ እዩ ናይዚ ነገድባ፣ናይዚ ወረዳ ናይቲ ወረዳ እዩ ምባልስ ንልኡላውነት ምድፋርዶ ኣይኸውንን እዩ ?’’ ኢሎም ዝሓተቱ ወሃቢ ቃል ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ‘’እዚ ብመንፅር ሞራል ይኹን ምኽባር ዓለምለኸ ሕጊ ልኡላዊነት ንምኽባር ካብ ዝወፁ ሕግታት ናይዚ ኣየኽይድን ኢና ንብል ዘለና’’ ኢሎም።

ብዛዕባ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ብዝምልከት ንህወሓት ምስታፍ ዝክኣል እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝኾነ ይኹን ምይይጥ ኣይህልን ልዝብን ስምምዕን ዝካየድ ምስ ዘሎ ሓይሊ እዩ፤ዘየለ ሓይሊ ደሊኻ ክተምፅኦ ኣይትኽእልን ኢሎም።

ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ክኸዱ እንተደልዮም ብዘይገደብ ይፍቀደሎም እዩ ኢሎም።መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ነፃን ገለልተኛን ኣካል ከፃሪ ይኽእል ዝብል መርገፂ ምትሓዙ እውን ሓቢሮም ኣለው ወሃቢ ቃል ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ።

ኣብ መግለፂ ምንስቴር ወፃኢ ብሊንከን ዝተገለፀ ብዛዕባ ምስሓብ ወታደራት ኤርትራ ዝምልከት ግና እቶም ኣማባሳደር ሪኢቶ ኣይሃቡሉን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00




XS
SM
MD
LG