ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ብሪጣንያን ንዩክሬን ደገፈን ዳግማይ ገሊጸን


ኣብ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ እንግሊዛዊ መዘነኦም ዴቪድ ካመሮንን ዝተራኸቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፣ ክልቲኤን ሃገራት ንዩክሬን ዘለወን ደገፍ ገሊጸን ኢሎም።

ርክብ ብሊንከንን ካመሮንንን ዝተፈጸመ፣ ሪፐብሊካዊያን ሴነተራት፣ ነቲ ንዩክሬንን እስራኤልን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንሓለዋ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ንምሕላው ወጢኑ ንዝቀረበ እማመ 110 ቢልዮን ዶላር ምስ ነጸግዎ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ቀ/ሚ እንግሊዝ ንዝነበሩ ዴቪድ ካመሮንን፣ እዚ ናይ ኣመሪካ መገሸኦም፣ ብደረጃ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈላማይ እዩ። ንሶም ኣብ ዘረበኦም "ቁጠባታት ኣመሪካ፣ ዩክሬን፣ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ደማሚርካ ምስ ቁጠባ ሩስያ ክተነጻጽር ከለኻ፣ ከምዚ 30 ን 1 ኢድ እዩ" ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ይሕብር።

ኣመሪካ ንዩክሬን ዛጊት ዝለገሰቶ መጠን ገንዘብ 70 ቢልዮን ዶላር ኮይኑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG