ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ይዝትዩ


ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ናይ ዩክሬን ምብጻሕ ዝተወስደ 11 መስከረም 2024.
ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ናይ ዩክሬን ምብጻሕ ዝተወስደ 11 መስከረም 2024.

መራሕቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ሎሚ ዓርቢ 13 መስከረም ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይትሃውስ) ኣብ ዝራኸብሉ እዋን፣ ቀንዲ መዘራረቢ ኣጀንዳ ዩክሬን ንኣጽዋራት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ምጥቃም ንዘሎ ቁጽጽር ክልሕልሕ ዝሓተተቶ ጉዳይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ዩክሬን ንገለ ኣጽዋራት ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዒላማ ንምውቃዕ ክትጥቀመሎም ድልየታ እዩ። ብመንጽር’ዚ ዋይት ሃውስ፣ ምትዕርራይ ፖሊሲ ክገብር ክትሓትት ጸኒሓ'ያ።

ዩክሬናዊያን ድልየቶም ነቶም ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኪየቭ መገሻ ዝፈጸሙ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ከምዝገለጹሎም’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጹ ኣሜሪካዊያን ሰበ ስልጣን ግና፣ ፕረዚደንት ባይደንን ቀ/ሚ ስታርመርን፣ ለውጢ ፖሊሲ ከምዝህሉ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክገልጹ’ዮም ዝብል ትጽቢት የብሎምን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG