ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦኮ-ሓራም ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ‘ዩ ኢላቶ ኣሜሪካ


ምልሻታት ቦኮ-ሓራም
ምልሻታት ቦኮ-ሓራም
ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ እስላማዊ ምልሻታት ቦኮ-ሓራምን ኣንሳሩ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ካልእ ጉጅለን፣ጉጅለታት ፈጠርቲ ራዕዲ ኢላ ብወግዒ ገሊፃቶም‘ላ። ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብ ናይጀርያ ንሞት ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ተሓተቲ‘ዮም።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ቦኮ-ሓራም ኣብ ሰሜናዊን ማእከላይን ናይጀርያ ብጠንቂ ዝፈሞም መጥቃዕታት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ተቀቲሎም‘ዮም።

እዚ ጉጅለ‘ዚ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ እስላማዊ ሕጊ ከታኣታቱን ንመንግስቲ ናይጀርያን ከምዝቃወምን ይገልፅ።ንኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ዒላማ ዝገብርን ንኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ብማዕረ ዝቀትልን ጉጅለ‘ዩ ቦኮ-ሓራም።

ቦኮ-ሓራም ቅድሚ ክልተ ዓመታት ነቲ ኣክ ኣቡጃ ዝመደብሩ ቤት ፅሕፈት ሕ/ሃ ብቦምብ ኣጥቂዑ ንዕስራን ሓደን ሰባት ቀቲሉ ንብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣቁሲሉ‘ዮ።

ሓደ ምስ ኣል-ቃይዳ ውግንነኦም ምስ ዝገለፁ ኣል-ቃይዳ እስላማዊ ማግርብ ምትእስሳር‘ውን ኣለዎ ቦኮ-ሓራም።

እዚ ኣሜሪካ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፣እቲ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ምስ ገንዘባዊ ትካላት ኣሜሪካ ንዝነበሮም ርክብ ዘቋርፅን ኣብ ኣሜሪካ ንዝነበሮም ፀጋታት ዘደስክልን‘ዩ።ባዓል-ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንስፍልድ፣

“እዚ ስጉምቲ‘ዚ፣ንሓይልታት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካን ምንስቴር ገንዘብ ኣሜሪካን፣ነዞም ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ንክሃድንዎም ተወሳኺ ጭዋዳ‘ዩ ዝፈጥረሎም” ኢላን ንሰን።

ፕረዚደንታት ኣሜሪካን ናይጀርያን ጉዳይ ቦኮ-ሓራም ኣልዒሎም ተዘራሪቦም‘ዮም ኣብ እዋን ኣኼባ ባይቶ ሕ/መ።ፕረዚደንት ኦባማ ሙሉእ ኣተሓሕዛ ክህልው ይግባእ ምስ በሉ ”ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብዝጣዓዓም መንገዲ‘ዩ ክፍፀም ኣለዎ።ኣንፃር እዞም ህውከት ዝመርፁ ዝግበር ውግእ ክዕወት እንተኾይኑ፣መንግስታት ንጠለብ ህዝቢ ክምልሱን ልዕልና ሕጊ ከረጋግፁን ይግባእ” ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።

ካብ ፋውንዴሽን ጀምስታውን ዝተወከለ ጃኮብ ዘን ብወገኑ፣ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ዝብል መፀውዒ ምሃብ ንገንዘባዊ ዓቅሚ ቦኮ-ሓራም ክጎድእ ይኽእል‘ዩ።እንተኾነ ዘይፍትሑ ፀገማት ክህልው‘ዮም ይብል“ደገፍቲ ቦኮ-ሓራም መን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ‘ዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ሓገዛት ዝመፅእ ካብ ውሽጣዊ ምንጪታት፣ካብ ሰረቅቲን ዘረፍቲን ሓይልታት ስለዝኾነ።ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ሓይሊ ሰላፊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ምንጪ ገንዘባዊ ሓገዝ ይፍለጥ ነይሩ።ስለዚ’ዚ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ብዝዓዘዘ መልክዑ ትርጉሙ‘ዩ ዝሕይል” ኢሎም።

ናይጀርያ ወትሃደራዊ ፍታሕ ጥራሕ ኣይኮነን ዘድልያ ትብል ኣሜሪካ።ኣብ ክንድኡ ንተደማፅነት ቦኮ-ሓራም ምንካይን ንፅንፈኛ መልእኽታቱ ምድኻምን‘ውን ይግባእ ትብል ኣሜሪካ።
XS
SM
MD
LG