ዋሽንግተን —
ንምቍራጽ ተጻብኦታትን ሰብኣዊ ሓገዝን ናብ ቓዛ ኣብ ዝድፍኣሉ ዘሎ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሰሉስ ምስ መራሕቲ ግብጺን ቐጠርን ተራኺቡ።
ብሊንከን ኣብቲ ድሕሪ ምጅማር ኲናት እስራኤልን ሓማስን ሓሙሻይ እግሩ ዝዀነ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቱ፡ ንምቍራጽ ተዅሲ ጸቕጢ ክገብር ይትስፎ። ድሕሪ ኲናት ንዝህሉ ስራሓት ዳግመ-ህንጻ’ውን ሓደ ካብ ዕላማታት ዑደት ብሊንከን’ዩ።
ብሊንከን ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝተራኸበሉን፡ እስራኤል ብዛዕባ ናብ ግብጺ ዘዳውብ ወገናት ቓዛ፡ እትሓስቦ ዘላ ምስፋሕ መጥቃዕታት’ውን ምዝርራቦም ተሓቢሩ ኣሎ።
እስራኤል ምስ ግብጺ ኣብ ዘዳውብ ወገናት መጥቃዕቲ ምስ እትጅምር ንጸጥታ ክልቲኣን ሃገራት ክጸሉ ምዃኑ መራሕቲ ግብጺ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።
ትማሊ ሰኑይ ዑደቱ ብስዑዲ ዓረብ ዝጀመረ ብሊንከን፡ ኣብ እስራኤልን ምዕራባዊ ገማግምን’ውን ክበጽሕ መደብ ሒዙ ኣሎ።
ቅጥዒ