ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ምስ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብን ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ሰነት ኣመሪካ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ሰነት ኣመሪካ

ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዘቕንዕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ረቡዕ ምስ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብን በበይኑ ርክባት ኣካዪዱ።

ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ሰነት ኣመሪካ ቀሪቡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ባይደን ዝሓቶ ዘሎ ባጀት ሓገዝ ንእስራኤል ቃለ-ምስክርነት ሂቡ ነይሩ። እቲ ከይዲ ምስማዕ፡ ኣእዳዎም ብደም ዝተለኽየ ተቓወምቲ እቲ ኲናት፡ ንሓጺር እዋን ተዓናቒፉ ነይሩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን’ውን፡ ኣብቲ ብሊንከን “ንሃገራዊ ጸጥታ፡ ምክልኻልን ዲፕሎማሲን ኣመሪካ ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ እዋን” ዝበሎ መገሻ ይሳተፍ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

መገሻ ብሊንከን ናብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ጉጅለ ሓማስ፡ ካብቶም ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ 240 ዜጋታት እስራኤላውያን ዘይኰኑ ክፍኑ ምዃኑ ኣብ ዝነግረሉ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG