ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ፡ እስራኤል ንቓዛ ከይትቆጻጸር የጠንቅቕ


ብሊንከን ምስ ንሚንስተራት ጉድያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ 7
ብሊንከን ምስ ንሚንስተራት ጉድያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ 7

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከንን ላዕለዎት ዲፕሎማት ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ጉዳይ ሓማስን እስራኤልን ዘለዎም መትከላዊ ሓድነት ወግዓዊ ጌሮም።

ብሊንከን ምስ ዲፕሎማት ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመ፡ን ጃፓንን ኢጣልያን ኣብ ቶክዮ ጃፓን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ንሓማስ ብምኹናን፡ እስራኤል ንዘለዋ ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ድጋፎም ገሊጾም።

ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽኣቱ ኵናት ከዕርፍ `ውን ጸዊዖም ኣለዉ።

ኣንተኒ ብሊንከን ድሕሪ`ቲ ምስ ጉጅለ -7 ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምእታው ህጹጽ ረድኤት ፡ ሓለዋ ሲቪላት ከምኡ `ውን ብዛዕባ ምውጻእ ዜጋታትን ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባትን ብዕምቆት ተዘራሪብና ኢሉ።

ብተወሳኺ `ውን ብዛዕባ ምጉዳል ኣብ ፍልስጤማውያን ዝወርድ ጉድኣትን፡ ምስ መራሕቲ እስራኤል ዝገበሮ ዝርርብን ዝምልከት`ውን ነቶም ዲፕሎማት ብጾቱ ከም ዘካፈሎም ጠቒሱ`ሎ።

ብሊንከን ነዚ ናይ ኤስያ ዑደቱ ብምቕጻል ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ዝርአ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ዝፈጠሮ ሻቕሎትን ምስ ኮርያውያን ንምዝርራብ ሎሚ ረቡዕ ናብ ከተማ ሲዎል ደቡብ ኮርያ ኣምሪሑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG