ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ፅምዲ ህንፃታት ንግዲ ዓለም ኣብ ዝዓነዋሉ ቦታ ዕታር ዕምበባ ኣንቢሮም


'' ስእሊ ሬሳ ቢን ላዲን ናብ ሚድያ ኣይዝርጋሕን'' ፕሬዝዳንት ኦባማ

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሎማዕንቲ ሓሙስ ብመጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ኣብዝዓነዋ ፅምዲ ህንፃታት ከተማ ኒው ዮርክ ዕታር ዕምበባ ኣንቢሮም።ንሶም ናብ ኒውዮርክ ዝኣተው፣ኦሳማ ቢን ላደን ዝመርሖ ኣል-ቃይዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣ/ፈ ኣብ ዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ግዳያት ንዝኾኑ ንምዝካር እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንሬሳ መራሒ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቢን ላደን ዘርኢ ስእሊ፣ናብ ህዝቢ ከምዘይዝርጋሕ እቶም ፕረዚደንት ወሲኖም።

እቶም ፕሬዝዳንት ናይ ቢን ላደን ሬሳ ዘርኢ ፎቶ ንኸይወፅእ ዝወሰኑ ብዙሓት ምኽንያታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ወሃቢ-ቃል ዋይት ሃውስ ጄይ ካርኒ ይገልፁ።

ከም ኣገላልፃ ካርኒ እቲ ዝስካሕክሕ ምስሊ ንህዝቢ ምርኣይ፣ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሃገራዊ ደሕንነት ይጎድእ'ዩ ይብሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ‘’ናይ ሓደ ኣብ ርእሱ ዝተወቕዐ ሰብ ዘስካሕክሕ ስእሊ ብምውፃእ ንመለዓዓሊ ተወሳኺ ህውከት ወይ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ንከይኸውን ምርግጋፅ ንዓና ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።ንሕና ከምኡ ኣይኮናን’’ ምባሎም ገሊፆም።

እቶም ወሃቢ-ቃል ንፕረዚደንት ብምጥቃስ ‘’ኦሳማ ቢን ላደን ደጊም ኣብዛ ዓለም ኣይክትሪኡዎን ኢኹም’’ ምባሎም’ውን ገሊፆም።

ካርኒ ንሪፖርተራት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብዚ ጉዳይዚ ቅዋም እቶም ፕሬዝዳንት ኣዚዩ ተሪር ምዃኑን ምንስቴር ምክልኻል ሮበርት ጌትስን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴንን እውን እቲ ስእሊ ክወፅእ የብሉን ዝብል ቅዋም ከምዝሓዙ ነፂሮም።

ቀፃሊ ምንስቴር ምክልኻል ዩናይትድ ስቴትስ ንክኾኑ ብፕረኢደንት ዩ-ስ ዝተመዘዙ ዳይረክተር ሲ.ኣይ.ኤ ሊዮን ፓኔታ ግን እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሃቡ እቲ ስእሊ ዕላዊ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ብዕሊ ተዛሪቦም ነይሮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ነቲ ፎቶ ንህዝቢ ዕላዊ የውፅእዎዶ ኣየውፅእዎ ኣብዝብል መርገፂ ኣብ ካፒቶል ሂል እውን ኣፈላላይ ፈጢሩ’ሎ።

ሪፓብሊካዊ ኣባል ሰኔተር ሊንድሰይ ግርሃም እቲ ስእሊ ካብ ህዝቢ ምሕባእ ጌጋ ከምዝኾነ ገሊፆም።ካሊእ ሪፓብሊካዊት ኣባል ሴነተር ኬሊ ኣዮተ እውን ፎቶ ንኸይወፅእ ምኽልካል ቢን ላደን ብሓቂ ሞይቱ ንምዃኑ ጥርጣረ ከምዘኸትል ይገልፃ።ሰለዝኾነ ድማ ይብላ ’’ዘስካሕክሕ ፎቶ ክርኢ ዝደሊ ሰብ እንተዘይሃለወ'ኻ ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ንምግባር ተባሂሉ ዕላዊ ምግባር ኣገዳሲ ይመስለኒ።’’ኢለን።

ብዙሓት ሪፓብሊካዊያን ዝርከብዎም ካልኦት ኣባላት ቤት ምኽሪ ግን ንውሳነ ኦባማ ይድግፉ።

XS
SM
MD
LG