ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ዝተፈላለየ ኣካላት ንርእይቶ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኔቶ


ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ብብዙሕ ወገናቱ ኣብ ዝሳተፈሉ ዘሎ እዋን፡ ርእይቶ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ብዛዕባ’ቲ ኪዳን ስንባድ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ንሰልፊ ርፓብሊካን ዝመርሕ ዘሎ ትራምፕ፡ ብጽሒት እቲ ኪዳን ዘይከፈላ ኣባል ሃገራት፡ ኣመሪካ ክትከላኸለለን ከም ዘይኰነት ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ዘረባ እንኮላይ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን’ዩ ኣገሪሙ'ሎ።

“ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ከምዚ ክብል ዘደንጹ’ዩ። ኣብ ታሪኽና ዛጊት ንውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ ሩስያ ዝተምበርከኸ የሎን። ሕጂ’ውን ብግልጺ ክደግሞ፡ እዚ ከኣ ኣባይ በጺሑ ኣይከውንን’ዩ። ስለ እዝጊሀር ኢለኩም፡ እዚ ዘሕፍርን ሓደገኛን እሞ ድማ ዘይኣመሪካዊ ኣንደበት’ዩ።”

ፕረዚደንት ባይደን ናይ ወጻኢ ዝምድናኡ ኣብ ምትሕብባርን ሽርክነት ሃገራትን ኣተኲሩ’ዩ ክሰርሕ ምጽንሑ'ዩ ዝኣመንን። ነቲ ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ውድብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝዀነ ንኣባል ሃገር ናይ ምክልኻል ዓንቀጽ ድማ ክትግብሮ ድሉው ምዃኑ ይምጕት። እዚ እምበኣር’ዩ ምስቲ “ቀዳምነት ኣመሪካ” ዝብል ኣርኣእያ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሕፍሕ ዘእትዎም።

ዘረባ ትራምፕ ንቐረባ መሻርኽቲ ኣመሪካ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ እትጽሎ ግን ውድብ ኔቶ’ያ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤“እዚ ዓመት 18 ኣባላት ኣስታት 2% ናይ ዓመታዊ እቶተትን ኣብ ምክልኻል ከውዕለኦ ተስፋ ገይረ ኣለኹ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2014 ዝነበረ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዓቢ ምዃኑ’ዩ። እንተዀነ ነቲ ዝድለ ዘሎ መጠን ብጽሒት ኣውጺአን ዘለዋ ሃገራት ሰለስተ ጥራይ’የን።”

ኣማኻሪ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ዝዀነ ጀይሰን ሚለር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ እቲ ጻውዒት ንኣባላት ሃገራት ብጽሒተን ክኸፍላ ምጽዋዕ’ዩ ይብል። ኣባላት ኣብ ምክልኻል ዘውጽአኦ ንምዕባይ’ውን ምዃኑ እቲ ኣማኻሪ ይምጉት።

ካልእ ምስ ርእይቶ ትራምፕ ዝሰማማዕ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ኪት ከሎግ፡ ብጽሒተን ዘይከፍላ ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳን ካብ ካልኦት ውሕስነት ክረኽባ ቅኑዕ ምጕት ኣይኰነን ይብል።

ካልኦት ግን ዘረባ ትራምፕ ንኣመሪካ ዘግልል ንመንፈስ ምትሕብባር ዝጻረርን ክብሉ ይምጕቱ።

ክሪስቲን በርዚና ኣብ ትካል ጂኦ-ስትራተጂ ናይ ጀርመን ፈጻሚት ዳይረክተር’ያ።ንሳ ከም እትብሎ ትራምፕ ሃገራውነት ብምቕስቃስ ሰባት ከላዕል ይፍትን’ዩ ዘሎ። እዚ ምልዕዓላት ቅድሚ ሕጂ ኣወንታዊ ተራ ተጻዊቱ እኳ እንተዀነ ሕጂ ግን ካልእ ሳዕቤን ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ።

ዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ዓቢ ግደ ዘለዎ ኣይኰነን። ዶናልድ ትራምፕ ንኪዳን ኔቶ ድሕሪ ምንእኣሱ ግን ተራን ምስሊን ኣመሪካ ኣብ ዓለም ኣብ መንጎ መረጽቲ ፍልልይ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይእመን።

ንኣመሪካዊ ትካል መጽናዕቲ ኢብሶስ ዝመርሕ ክሊፎርድ ያንግ፡ ትራምፕ ነቶም ደገፍቱ ንምልዕዓል ኢሉ ከም ዝገበሮ ይምጕት። እንተዀነ እቲ ክኢላ መጽናዕቲ፡ እቲ ዘረባ ዋጋ ከኽፍል ከም ዝኽእል ይኣምን። ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ኣመሪካውያን ክፍፍል ምፍጣር’ዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተስደ ዳህሳስ ህዝቢ፡ 50% ምዝጉባት ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ኣመሪካ ምስ ስግር-ኣትላንቲክ ዘለዋ ዝምድና ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ። እቲ ቍጽሪ ግን ኣብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲውያን 80% ኢዩ ዝበጽሕ። ናጻ መረጽቲ ምዃኖም ዝነግሩ ድማ 63% ኣመሪካ ምስ ካልኦት ስግር-ኣትላንቲክ ዘለዋ ሃገራት ዝምድና ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG