ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤል ክበጽሑ’ዮም፡ ብሊንከን ዑደት ማእከላይ ምብራቕ ይቕጽሉ


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ጆርዳን ኣብ ዝኣተወሉ
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ጆርዳን ኣብ ዝኣተወሉ

እስራኤል ሰራዊታ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ እተቀራርበሉ ዘላ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጽባሕ ረቡዕ ናብ እስራኤል ክበጽሑ መደብ ሒዞም ኣለዉ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ስራሕ ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ መገሻ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ እቶም ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እስራኤል ምህላዋ ንምርኣይን ነቲ ዘሎ ሽግር ናብ ረብሓኦም ዝልውጡ ኣካላት ቦታ ንምኽላእን’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

መገሻ ፕረዚደንት ባይደን እስራኤል ኣስታት 1,400 ፍልስጤም ድማ 2,800 ዜጋታተን ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን’ዩ።

ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ናይ ቴልኣቪቭ ዑደቶም ናብ ጆርዳን ከምርሑ’ዮም። ባይደን ኣብ ጆርዳን ኣብ ዝህልዎም ጻንሒት ምስ ንጉስ ጆርዳን፡ ሰብ-መዚ ፍልስጤምን ፕረዚደንት ግብጺን ክራኸቡ ምዃኖም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት ትማሊ ሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ ድሕሪ ምክያዶም ሎሚ ሰሉስ 17 ጥቅምቲ 2023 ንጆርዳን ኣምሪሖም ኣለዉ። ብሊንከን ኣብ ናይ ጆርዳን ጻንሕቶም ምስ ንጉስ ጆርዳን፡ መራሒ ግብጺን መራሒ ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስን ተራኺቡ ክዛተዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG