ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ምስ መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ንጉዳይ እስራኤልን ሓማስን ዝምልከት መግለጺ ሂቦም


ፕረ. ባይደን ምስ መራሒ ኣውስትራልያንን ብሪጣንያ - ፋይል
ፕረ. ባይደን ምስ መራሒ ኣውስትራልያንን ብሪጣንያ - ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰንበት ምስ ናይ ብሪጣኒያ፣ ካናዳ፣ ጀርመንን ኢጣልያን መራሕቲ ብዛዕባ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ብርሑቕ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ኣለው።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ እስራኤልን ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰላ ምድጋፎም ዘረጋግፅ ሓባራዊ መግለፂ ሽድሽቲኦም መራሕቲ ኣውፂኦም ኣለው።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ናይ ዝርከቡ ስቪላት ሓዊሱ ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ክኽበር ብምትሕስሳብ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ንካልኣይ ጊዜ ቓዛ ምእታወንን ምፍታሕ ብሓማስ ተጨውዮም ዝነበሩ ክልተ ኣመሪካዊያንን ብዝምልከት ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊፆም።

እቶም መራሕቲ እቲ ኲናት ከይሰፋሕ ንምክልኻልን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ "ፖለቲካዊ ፍታሕን ዘላቒ ሰላምን’’ ንምምፃእ ምስ ቁልፊ መሻርኽቲ ዲፕሎማሲያዊ ፅምዶ ንምክያድ ዘለዎም ድልውነት እውን ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ባይደንን ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣገዳሲ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንክበጽሕ ከምዝተሰማምዑ ኣረጋጊፁምለይ እዮም ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG