ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን፡ ንእስራኤል ዘለዎም ድጋፍ ይገልጹ፡ ድሕነት ፍልስጤማውያን ቀዳምነት ክወሃቦ የዘኻኽሩ


እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ብኣጋር ንምእታው ኣብ እትቀራረበሉ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ብሰንበት ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፡ እስራኤል ንዘለዋ ናይ ነብሰ-ምክልኻል መሰል ብምግላጽ፡ ድሕነት ዜጋታት ግን ቀዳምነት ክስራዕ ጸዊዖም።

እስራኤል ብሰንበት ናይ መሬት መጥቃዕቲ ምዝያዳ ይፍለጥ።

ጉጅለ ሓማስ ታንክታት እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ መጥቃዕቲ ምሕያሎም ክገልጽ እንከሎ፡ ሓይልታት እስራኤል ድማ ብወገኖም መጥቃዕቲ ከም ዘምከኑ ይገልጹ። እንተዀነ ብኽልቲኦም ወገናት ንዝተባህለ ብሳልሳይ ኣካል ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ሓይልታት እስራኤል ብሰንበት ልዕሊ 450 ዒላማታት ምህራሞም ኣመልኪቶም ነይሮም። እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምዃኑ’ዩ።

ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1,400 እስራኤላውያን ቀቲሉ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ዝርከቡዎ ልዕሊ 200 ጅሆ ድሕሪ ምውሳዱ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉጅለ ኲናት ምእዋጃ ይዝከር። ዛጊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ብእትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ቍጽሪ ምዉታት ልዕሊ 8-ሽሕ ምድያቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG