ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን፡ እስራኤል ዳግም ንቓዛ ከይትቆጻጸሮ ስክፍታኦም የስምዑ


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን - ፋይል
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን - ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰንበት ምስ መደበር ቴለቪዥን ሲቢኤስ (CBS) ኣብ ዝነበሮም ጻንሖት፡ እስራኤል ኣብ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ዳግም ንወሽመጥ ቓዛ ምስ እትቆጻጸሮ ዓቢ ጌጋ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ዝገለጹ፡ እስራኤል ኣብ ወሰናስን ወሽመጥ ቓዛ ኣስታት 300-ሽሕ ሰራዊት ኣዳልያትሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ወሽመጥ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ ዛጊት ብደብዳብ እስራኤል ኣብ ቓዛ2,750 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ 9,700 ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቃለ-ምልልሶም፡ "እስራኤል ንሓማስ ክትኣልዮም ምኽኑይ እኳ እንተዀነ፡ ሓማስ ግን ንዅላቶም ፍልስጤማውያን ስለ ዘይውክል ጥንቃቐ ክግበር የድሊ፡” ኢሎም።

ባይደን ወሲኾም “ንሃገረ ፍልስጤም’ውን መንገዲ ክፍጠር ኣድላዪ’ዩ፡” ኢሎም።

እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ንወሽመጥ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ድሕሪ ምሓዛ፡ ካብ ቓዛ ኣብ 2005 ወጺኣ። ኣብ 2007 ድማ ሓማስ ነቲ ቦታ ካብ ርእሰ-ምምሕዳር ፍልሴጠም ምቍጽጻሩ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG