ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር ዝኽእል ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ጂቡቲ ኣትዩ


US Forces
US Forces
ኣሜሪካ ንረስኒ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ተኸታቲሎም መልሰ-ግብሪ ዝህቡ 150 ወትሃደራት ኣብ ጂቡቲ ክእትው ገይራ‘ላ።ናብ‘ዚ ስጉምቲ‘ዚ ዝተበፅሐ፣ኣርባዕተ ኣብ ክፍለ-ሃገር ዮንግለይ ወፍሪ ምድሓን የካይዱ ካብ ዝነበሩ ወትሃደራት እቶም ኣርባዕተ ድሕሪ ምቁሳሎም‘ዩ።

እዚ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣሜሪካ ብኣሕፅሮተ-ቃል ኣፍሪኮም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣እቶም ካብ መደብር ሰራዊት ስዻኝ ዝተበገሱ ወትሃደራት ኣብ ጂቡቲ መደብር ሰራዊት ሊሙነይር ኣትዮም‘ለው ይብል።

ኣፍሪኮም ወሲኹ፣ከም‘ዚ ዝዓይነቱ ሓይሊ ንወፍሪ ምድሓን ኣብ ኣፍሪቃ ክድግፍ ንፈለማ ጊዜ‘ዩ ይብል።

ወሃቢ-ቃል ኣፍሪኮም ቤንያሚን ቤንሰን፣እዚ ስጉምቲ‘ዚ ዝተወስደ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለው ኣሜሪካውያንን ትካላትን ኣብ ስግኣት ስለዝወደቁ‘ዩ ኢሉ።

”እዞም ሓይልታት ናብ‘ቲ ከባቢ ክፅግዑ ምግባርና፣ኣብ‘ቲ ዞባ ምናልባሽ ቅልውላው እንተተፈጢሩ መልሲ ንምሃብ ዓቅሚ ክፈጥረልና‘ዩ” ይብል።

ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንትን ምክትሎምን ኣፈላላይ ድሕሪ ምሕያሉ፣ሰራዊት ኣብ ክልተ ተገሚዑ፣ደቡብ ሱዳን‘ውን ኣብ ህውከት ኣትያ‘ላ።ዓሌታዊ ምቅትታል‘ውን ይፍፀም‘ሎ ይብሉ መሰኻኽር።

ኣሜሪካ ንሰላማዊያን ሰባት፣ነቲ ኣብ‘ታ ሃገር ዘሎ ኤምባሲኣ ንምሕላውን ዜጋታታ ክወፁ ንምሕጋዝን ኢላ 45 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ‘ላ።

ቀዳም ድማ ኣብ ክፍለ-ሃገር ዮንግለይ ስራሕቲ ምውፃእ ሰባት ይፍፅማ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ሄሊኮፕተራት ኣሜሪካ ተኲሲ ኣጓኒፍወን ኣርባዕተ ኣሜሪካውያን ወትሃደራት ቆሲሎም‘ዮም።

ወሃቢ-ቃል ኣፍሪኮም ሚስተር ቤንሰን ናይ ስትራተጂ ምቅይያር ዝተገብረ፣ ብጠንቂ‘ቲ ዓሚ ኣብ ቤንጋዚ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ቆንፅል ኣሜሪካ ዝተፈፀመ ጥቅዓትን ንኣምባሳደር ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣርባዕተ ዜጋታት ምቅታልን ምኳኑ ይጠቅስ።

“ሓደ ካብ ናይ 2012 ጥቅዓት ቤንጋዚ ዝተማሃርናዮ ነገር፣ኣድላዪ እንተኾይኑ መልሰ-ግብሪ መእንታን ክንህብ ኣቀማምጣና ስትራተጂካዊ ክኸውን ከምዝግባእ‘ዩ።ከምዝይኽሰት ዘሎ ነገር ምስንዕዘብ ስልጥ ኢልና መልሲ ክንህብ ስለዘኽእለና” ይብል ቤንሰን።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትሎም ዝነበሩ ሪክ መቻርን ብመሰረተ-ሓሳብ ደረጃ እቲ ቅልውላው ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም‘ዮም።

ሚስተር ኬር፣እቲ ቅልውላው ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወለዐ ሚስተር መቻር ዕልዋ መንግስቲ ንምፍፃም ድሕሪ ምፍታኖም‘ዮ ኢሎም ክኸሱ ከለው፣ነቲ ክሲ ዝነፀጉ ሚስተር መቻር ድማ ባዕሎም ፕረዚደንት ክኾኑ ድልየቶም ምኳኑን ሰራዊቶም ንሚስተር ኬር ካብ ስልጣኖም ንከውርዱን ፀዊዖም‘ዮም።

ኣባላት ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ዕጡቃት ንርእሰ-ከተማታት ክፍላተ-ሃገራት ዮንግለይን ዩኒቲን ተቆፃፂሮም‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ብጠንቂ‘ቲ ግጭት ልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉን ኣማኢት ከምዝተቀትሉን ሕ/ሃ ኣፍሊጡ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG