ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል ተወሳኺ 152 ሚልዮን ዶላር ምሃባ ኣፍሊጣ


መንግስቲ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል ብUSIAD ኣቢሉ ተወሳኺ 152 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሕግዝ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። እዚ ተወሳኺ ፈንድ ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅመር ንሰብኣዊ ሓገዝ ትግራይ ዘበርከተቶ መጠን ገንዘብ ናብ 305 ሚሊዮን ዶላር ክብ ኢሉ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰበስልጣን ምምሕዳር ጆ ባይደን ቅልውላ ትግራይ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምዝርራቦምን ማዕረ ክንደይ ኣኽቢድና ከምእንሪኦ መራሕቲ ኢትዮጵያ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎምን ገሊፆም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ነድ ፕራይስ እዚ ሓዱሽ ሓገዝ ንህይወት ኣድሕን ምግቢ፣ማይን፣ሕክምናን ክንክን ጥዕናን፣ንመፅለሊ፣ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሓዊሱ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ወገናት፣ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ንዝሕግዙ ሰራሕተኛታት፣ካብ ስድርኦም ዝተፈለዩ ቆልዑ ምስ ስድርኦም ንምርኻብ ንዝሕግዝ ፕሮግራምን ካልኦትን ዝውዕል እዩ ኢሎም።

በዚ ፈንድ እዚ USAID ልዕሊ 148,000 ሜትሪክ ቶን ቅልጡፍ ሓገዝ ምግቢ ከቕርብ እዩ።USAID ንኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ዝኸውን ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቅልብ 206,000 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ኣቕሪቡ ኣሎ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝወረዱ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት፣በደላትን ግፍዕታትን ብዝምልከት ተወሰኽቲ መረዳእታታት ምስ ዝወፁ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓለዋ ኣገዳሲ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንደሊ ኢሎም።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ቅልውላው ትግራይ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ፅምዶ ምክያዶም ብምሕባር ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱልቫን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ደመቀ መኮነን፣ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ፣ሰኔተር ኩንስ ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን መልእኽቲ ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዞም ብምዝርዛር ኣብ ኩሎም ፅምዶታት መልእኽታትና ንፁራት እዮም ኢሎም።

‘’ኣብ ኩሎም ፀምዶታትና መልእኽታትና ተመሳሳሊ እዩ’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ብዛዕባ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት ካብ ትግራይ ይወፁ ዘለው ፀብፃባት ኣዚዩ የተሓሳስበና።ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክቐርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ምግላፁ ብደስታ ንቕበሎ እንተኾነ ግን ምስቲ መፅብዓ ዝቃደው ተግባራት ንደሊ ኢና’’ ኢሎም።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ይስምዑ ዘለው ይትግበሩ ምዃኖም ምክትታልና ክቕፅል እዩ፤ክበፅሕ ክረጋገፅ ንፅውዕ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ኤርትራ ወታደራቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ምስምምዑ ምግላፆም ተተባቢዒና ኢና ዝበሉ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ እቲ ቃል ግብራዊ ዝገብር ብዘይውዓልን ምሉእን ምውፃእ ሓይልታት ኤርትራ ክንሪኢ ንደሊ ኢና ኢሎም።

ተፃብኦ ጠጠው ምባልን ሓይልታት ኣምሓራን ናብ ትግራይ ምውፋር ጠጠው ክብል ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ተፃብኦ ጠጠው ምባልን መንግስትቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ምውፋሩ ከብቅዕን እዞም ክልተ ነገራት ኣብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ ኣገደስቲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና።ዘይተደረተ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ መንግስቲ ተወሰኽቲ ኣገባባት ክትግበር ንፅውዕ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን መንግስቶምን ንክብደቱ ፃውዒት ዩናይትድ ስቴትስ ማዕረ ክንደይ ተረዲኦምዎ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ፕራይ ‘’መሪሕነት ኢትዮጵያ ማዕረ ክንደይ ብርዝነት ከምዝሓዝናዮ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።እቲ መሪሕነት ብቐጥታ ካብና ዝሰምዖ መልእኽቲ እዩ።ብዝተፈላለዩ መሓውራትናን መልእኽተኛታትን ዘብፃሕናዮ መልእኽቲ እዩ።ሕዚ እውን ደጊመ ንምግላፅ እቲ መልእኽቲ ተመሳሳሊ እዩ’’ ኢሎም።

ስኽፍትታትና ካብ ትግራይ ብዝወፁ ፀብፃባት ዝተመስረቱ ምዃኖም ምስጢር ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና ኢሎም።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሃገራዊ ልምዓት ጉጅለ ግብረ መልሲ ሓገዝ ሓደጋ DART ናብ ትግራይ ከምዘዋፈረ ገሊፆም።

ኣብ ቅድሚት ዘሎ ዕማም እዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ይወፁ ዘለው ሃንፅቲ መግለፅታት ብጭቡጥ ስጉምታት ክዕጀቡን ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምጥን ኣብ ምክትታል መሪሕነት ኢትዮጵያ ከምዝሰሑ ኣይንጠራጠርን ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኔድ ፕራይስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG