ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 639 ሚልዮን ዶላር ንኣርባዕተ ሃገራት ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ኣሜሪካ ብሰንኪ ግጭትን ድርቅን ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙወን ንዝተበሃላ ንኣርባዕተ ሃገራት የመን፣ሶማል፣ደቡብ ሱዳንን ናይጀሪያዊን ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 639 ሚሊዮን ዶላር ከምትሕግዝ ኣፍሊጣ።ኢትዮጵያ ኣካል ናይዘን ኣርባዕተ ሃገራት እንተዘይኮነት እውን ኣሜሪካ ሓገዛ ክትቕፅል እያ ክብሉ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ምዕባለ ( USAID) ምኽትል ኣማሓዳሪ ንዴሞክራሲ፣ግጭትን ሰብኣዊ ሓገዝን ሮበርት ጀኢንኪንስ ሓቢሮም።

ኣሜሪካ ነዚ ዝኣወጀት ዝሓለፈ ቀዳም ንወፃኢ ሃገራት ዝውሃብ ረድኤት ንምንካይ ክዛረቡ ዝፀንሑ ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብቑጠባ ናይ ዝማዕለባ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣኼባ ኣብ ዝተሳተፍሉ ጀርመን እዩ።

ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንድሓር እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ዝበሉ ፈፃሚ ዳይረክተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ከምዚ ኢሎም።

“መንግስቲ ኣሜሪካ ንሚሊዮናት ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ 639 ሚሊዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ከምዝህብ ኣፍሊጡ’ሎ።ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ናይጀሪያ፣ሶማልን የመንን ብህውከትን ድርቅን ንዝተተንከፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ክውዕል እዩ።ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ናይጀሪያን የመንን ብሰንኪ ሰብ ዝሰርሖ ግጭት ከምኡ እውን ኣብ ሶማል ዝቐፀለ ግጭት ከቢድን ዝተናውሐን ድርቂ አጋጢሙ’ዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ ረድኤት ኣብ ገለ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን፣ኣብ ሶማልን የመንን ዓፀቦ ምውጋድ እንተተኽኣለ እውን ሓፈሻዊ ውሕስነት መግቢ ግን እናሓመቐን ንህይወት ዘስግእ ጥምየት እውን እናሰፍሐን እዩ ኢሎም።

እዚ ተወሳኺ ረድኤት ኣሜሪካ 2017 ዓ.ም. ካብ ዝጅመር ነዘን ኣርባዕተ ሃገራት ዝሃበቶ ሓገዝ ናብ 1.8 ቢሊዮን ዶላር ኣደይቡዎ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ክዛረቡ ከለው ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ።ተወሳኺ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡ ቕዝፈት ከስዕብ ይኽእል እዩ ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ረድኤት መግቢ እናተፀንቀቐ ከምዝኾነ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ ኣሎ፤ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ብእዋኑን ብዕቱብን መግቢ ንምቕራብን ዝሃቦ ግብረ መልሲ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ብተመሳሳሊ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።እዚ ኮይኑ ግን ኣሜሪካ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ትርስዖ ኣላ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።

“እዚ ንእውጆ ዘለና ሓገዝ ንዘን ብቅልውላው ዝተጠቕዓ ኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት እንተኾነ እውን እዚ ማለት ግን ንኢትዮጵያ ንርስዓ ኣለና ማለት ኣይኮነን።ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እውን የሰክፈና እዩ። ኣሜሪካ እታ ዝዓበየት ሓጋዚት ኮይና ክትቕፅል እያ።መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ለገስትን ዘጋጠመ ክፍተት ንምምላእ ተወሳኺ ሓገዝ ክህቡ ብፅኑዕ ነተባብዖም ኣለና።”

ዴቪድ ቢስለይ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣስታት 252 ሚሊዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዝሓገዘትን እቲ ሓገዝ ከምዝቕፅልን ገሊፆም ኣለው ።

‘’Bread for the World’’ ናይ ዝተባህለ ኣብ ዋሽንግተን ናይ ዝመደብሩ ናይ ክርስቲያን ትካል ፕረዝደንት ሬቨረንድ ዴቪድ ቤክማን ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ “ፕረዝደንት ትራምፕ ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሃብዎ ጠመተ ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበሎ፤ግን እዚ ተኣዊጁ ዘሎ ረድኤት ኮንግረስ ቅድሚ ኣዋርሕ ዘፅደቖን ምምሕዳሮም ከይፍፀም ኣደናጉዩዎ ዝነበረን እዩ’’ ኢሎም ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ቃል ዝተኣውዎ ሓገዝ እንተድኣ ዘይበፂሑ ኣብ ናይጀሪያ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝጠመዩ ሰባት ረድኤት ክቋረፆም ይኽእል እዩ ክብል ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG