ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን እንግሊዝን፡ ንዩክሬን ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዐን


ሰብ-መዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምስ ፕረ.ዩክሬን ኣብ ኪየቭ
ሰብ-መዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምስ ፕረ.ዩክሬን ኣብ ኪየቭ

ድሕሪ ምብጻሕ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን እንግሊዝን ናብ ዩክሬን፡ ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ዘለዎም ድጋፍ ንምሕያል ኣመሪካ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትመባጻዕ እንከላ፡ እንግሊዝ ድማ 782 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምዃና ቃል ኣትየን።

መብዛሕትኡ እቲ ሓገዝ ንሰብኣዊ መዓላ ዝውዕል ኰይኑ፡ ሩስያ ንመደበር ጸዓት ዩክሬን ድሕሪ ምዕናዋ፡ ገለ ካብቲ ሓገዝ ንምትካእ እቲ ምንጪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ላዕለዎት ዲፕሎማት ኣብ ከተማ ኪየቭ ዩክሬን ብረቡዕ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ደምበ ምዕራብ ንዝህቦ ድጋፍ ንምርኣይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብሊከን ምስ ፕረዚደንት ቮልድየመር ዘለንስኪ ኣብ ዝተራኸበሉ ንጉዳይ እቲ ፍሉይ ናይ ርሑቕ ሚሳይል ምዕጣቕ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ዝያዳ ክዘራረበሉ ምዃኑ ነጊሩ። እዚ ናይ ርሑቕ ሚሳይላት ጉዳይ ኣብ መንጎ ሩስያን ደምበ ምዕራብን ሓድሽ ምትፍናን ፈጢሩ ዘሎ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ኬር ስታርመር ንዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ንምርኻብ መደብ ሒዙ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ክዛራረቡ ምዃኖም ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG