ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅምዶ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካን ኢትዮዽያን


UNIVERSITY
UNIVERSITY
ልዕሊ ሰላሳ ዩኒቨርስቲታት ኣሜሪካ ምስ ዩኒቨርስታት ኢትዮዽያ ኣብ ዝተፈላለዩ መርሃ-ግብሪታት ተሓባቢሮም ኣብ ምስራሕ ከምዝርከቡ ተገሊፁ። እቲ ምትሕብባር ነባሪ ንክኸውን ትኹረት ይገበረሉ‘ውን ተባሂሉ።

ኣብ‘ቲ ሓባራዊ ኣኼባ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ካብ ሞንጎ ዘቅርቡ ሓንቲ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ኮሌጅ ብራየን ሞር ዝኾና ፕሮፈሰር ሱዘን በክሱተን፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ኣሜሪካ ዝፀንሐ ዝምድና ሎሚ ተቀይሩ‘ዩ ይብላ።

”ክዛረቦ‘ኳ ተዘይመረፅኩ፣ብርክት ዝበላ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካ ብዛዕባ ኢትዮዽያ ኣይሓስባን።እዚ ሓቂ‘ዩ።ክንገልፆ ንደልይ ነገር ግን፣ኢትዮዽያ ምስ ኣሜሪካ ፅምዶ ንክትገብር ቅርብቲ‘ያ ዝብል‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ኤምባሲ ኣሜሪካ፣ክልቲኦም ወገናት ተሓባቢሮም ንክሰርሑ ቅድመ-ምድላው ይገብር ምህላው‘ዩ” በለት።

ሚስስ ታራ ቮልስ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሰራሕተኛ ባህላዊ ጉዳያት‘የን ብወገነን፣ልዕሊ ሰላሳ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካ ምስ ዩኒቨርስታት ኢትዮዽያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላወን ርግፀኛ ኮይነን ይዛረባ፣

“እቲ ንዓዮ ዘለና፣ዝርዝር‘ቶም ኣብ ኢትዮዽያ ብንጥፈት ይንቀሳቀሱ ዘለው ዩኒቨርስታት ክንንፅር ፈቲና።ልዕሊ ሰላሳ ኮይነን ረኺብናየን።በዝሒ‘ተን ዩኒቨርስታት፣ካብኡ ዝዛይድ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።እቲ ፅምዶ ድማ ነተባብዖ ነገር‘ዩ።ካብኡ ሓሊፍና ግና፣እቲ ፅምዶ ነባራይ ምግባር‘ዩ” ኢላ ንሳ።

ሓላፊ ጉዳያት ተማሃሮን ምሕደራን ምስ ዩኒቨርስቲ ኦክላሆማ ዝተሓባበር ዩኒቨርስቲ ሃራማያ ዝኾኑ ዶ/ር ፈቃዱ በየነ፣እዚ ሓድሽ ፅምዶ‘ዚ ንፅፈት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮዽያ ኣብ ምምሕያሽ ኣበርክቶ ክህልዎ‘ዩ ኢሎም።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለፂ፣ምስ ዩኒቨርስታት ኢትዮዽያ ርክብ ካብ ሞንጎ ዘለወን ዩኒቨርስታት ኣሜሪካ ገሊኤን፣ዩኒቨርስቲ ፍሎሪዳ ስቴት፣ኮሎራዶ ስቴት፣ኦሃዮ ስቴት፣ቴክሳስ ስቴት፣ ኮርኔል፣ሃወርድ፣ኣሪዞና ስቴት፣ፐርዱን ካልኦትን ይርከብዎም።
XS
SM
MD
LG