ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታሪፍ ዝመበገሲኡ ንግዳዊ ኲናት ኣሜሪካን ቻይናን ተጎሃሂሩ


ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ 100 ቢልዮን ዶላር ታሪፍ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ትሕዝቶ ቻይና ክስልዑ ከምዝኽእሉ ብናይ ቲውተር መልእኽቶም ድሕሪ ምትሕልላፎምን ቻይና ድማ ብዝከኣላ ክትቃለሶ ምዃና ምላሽ ድሕሪ ምሃባንንግዳዊ ኲናት ኣሜሪካን ቻይናን ተጎሃሂሩ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ፍርያት ቻይና ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ታሪፍ ምስልዓ ይዝከር። ቻይና ድማ ከም ግብረመልሲ ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ፍርያት ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ሕርሻን ንኣሽቱ ነፈርትን ዝኣመሰሉ ፍርያት ኣሜሪካ ተወሳኺ ታሪፍ ሰሊዓ እያ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ንወከልቲ ሚኒስትሪ ንግዲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ተወሳኺ ታሪፍ ክስላዕ ክሓስቡሉ ዝኣዘዙ ክኾኑ እንከለው፤ ብኻልእ ወገን ድማ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቲውተር መልእኽቶም: ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ናይ ንግዳዊ ግርጭት ከምዘይተጸምደት ኣፍሊጦም ኣለው።

ቻይና ብወገና ብመገዲ ሚኒስትሪ ንግዲ ኣቢላ ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ: ስጉምቲ ኣሜሪካ ንመትከላት ናጻ ንግዲ ዘመልክት ከምዘይኮነ ብምግላጽ ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓቲባ ክትቃለሶ ምዃና እያ ኣፍሊጣ። ካብ ዋይት ሃውስ ዝተዋህበ መብርሂ ድማ: ቻያና ነቲ ጉዳይ ብግጉይ ኣቀራርባ ሒዛቶ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክንዲ ንዝጸንሐ ንግዳዊ ኣካይዳኣ ምእራምን ምስትኽኻልን ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ኣሜሪካን ፍርያት ትካላት ሰንዓን ዓጸፌታዊ ግብረመልሲ ወሲዳ ይብል።

XS
SM
MD
LG