ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ናብ ኪየቭ ይበጽሑ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከንን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላምይን
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከንን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላምይን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላምይን ሎሚ ረቡዕ ኪየቭ፡ ዩክሬን ኣትዮም። እዞም ካብ ፖላንድ ብባቡር ኣቢሎም ናብ ዩክሬን ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ፡ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ክልተ ዓመትን መንፈቕን የሕሊፉ ዘሎ ኲናት ዩክሬን ንምሕያል ናይ ርሑቕ ሚሳይል ከዕጥቓ ኣብ ዝቀራረባሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

ኣቐዲሙ ሎንዶን ዝበጽሐ ብሊንከን፡ ኢራን ንሩስያ ባሊስቲክ ሚሳይል ተስንቓ ኣላ ኢሉ ከሲሱ ነይሩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየለቶ እዋን ድማ፡ ዩክሬን ነቲ ነዊሕ እዋን ክትጠልቦ ዝጸንሐት ናይ ኣመሪካ ርሑቕ ሚሳይላት ክትረክብ ተስፋ ትገብር።

ምምሕዳር ባይደን መብዛሕትኡ ንነብሰ-ምክልኻል ዝውዕል ሚሳይላት ንዩክሬን ኣፍቂዱ’ዩ። እንተዀነ ነቲ ግጭት ከይዕርግ ብምስጋእ፡ ኣመሪካ ዘፍቀደቶ ሚሳይላት ንርሑቕ ሩስያ ዝበጽሕ ኣይኰነን።

ዘይ ከም ካልእ እዋን፡ ዑደት ጸሓፍቲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን እንግሊዝን ኣቐዲሙ ብመራኸቢታት ተቓሊሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG