ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ደብዳባት ኣካይደን


ብሪጣንያን ኣመሪካን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝተወሃሃደ ደብዳባት ኣካይደን። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት የመን፡ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም`ዩ።

ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቶም ኣብ የመን ዒላማታት ሑቲ ዝተባህሉ መደበራት ሚሳይልን ካልኦት ድሮናትን መወንጨፍን ዝኾኑ ቦታታት ንምውቃዕ፡ መራኽብ ኲናት ካብ ባሕሪ ጠለቕ መራኽብ ዝውንጨፍ ቶምሃውክ ሚሳይል ከምኡ ነፈርቲ ኲናት ተጠቒሞም ኣለዉ።

ነቲ ዝተወሃሃደ ተልእኮ ኣውስትራልያ: ባሕሬን ካናዳን ነዘርላንድስን `ውን ኣበርክቶ ከም ዝግበራሉ ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰበ-ስልጣን ንኣሶሸይትድ ፕረስ ተዛሪቦም ኣለዉ። “ ዕላማና ነቲ ወጥሪ ምንካይን ርግኣት ቀይሕ ባሕሪ ምዕቃብን`ዩ” ዝበለ በዓል-ስልጣን፡ “ህይወት ንምድሓንን ናጻ ዋሕዚ ንግዲ ንምቕጻልን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ዘይንብል ምዃና ንመሪሕነት ሑቲ ክነፍልጥ ንደሊ” ይብል።

ሚንስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ ብወገኑ፡ ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ነቲ ኣብ ጥቓ ሰንዓ ኔሩ ዝበሎ ወተሃደራዊ መደበር ሑቲ ብተመራሒ ሚሳይል ከም ዝወቕዓ ኣፍሊጡ`ሎ።

እተን ክልተ ሃገራት ቅድሚ 10 መዓልታት `ውን ኣብ 28 ቦታታት የመን ኣብ ልዕሊ 60 ዒላማታት ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ኣካይደን ኔረን`የን።

ሚድያ ሑቲ ሎሚ ብኦንላይ ኣብ ዝዘርግሖ ምላሽ እቲ መጠቃዕቲ ንርእሰ-ከተማ የመን ዝኾነት ሰንዓ ዒላማ ዝገብረ ክብል ገሊጽዎ`ሎ። ጀማል ሓሰን ዝተባህለ ነባሪ ሰንዓ፡ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ከም ዝዓለበን ኣብ ጽርግያታት ጣርዒት መካይን ከም ዝተሰምዐን ተዛሪቡ።

እዚ ማዕበላዊ መጥቃዕታት ኣመሪካን መሓዙታን ዝቕጽል ዘሎ እቲ ቀዲሙ ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሑቲ ኣብ መስመራት ቀይሕ ባሕሪ ዝገብርዎ መጥቃዕቲ መራኽብ ደው ከብሎ ስለዘይከኣለ ምዃኑ ይግለጽ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ እስራኤል ምስ ሓማስ ትገብሮ ዘላ ኲናት ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ምዃና ንምርኣይ ብዝብል ናብ እስራኤል ገጸን ዘቕንዓ መራኽብ ከም ዝሃርምወን ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም። እንተኾነ ንኻልኦት መራኽብ ጽዕነት`ውን ክሃርሙ ጀሚሮም።

ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ንዓቕምታት ሑቲ ኣዳኺምናዮ ኢና ይብሉ። እንተኾነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ዕጡቓት ሑቲ ብኢራን ጽቡቕ ጌሮም ዝዓጠቑ ስለዝኾኑ ነቲ መጥቃዕቶም ክቕጽልዎ ምዃኖም ይኣምን።

እቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝሓደረ ቀጻሊ ስግኣት ድማ ገለ ኩባንያት መራኽብ ንግዲ ነቲ ናብ ስዌዝ ካናል ዝኸይድ ሓጺር ጉዕዞ ቀይሕ ባሕሪ ገዲፎም ፡መራኽቦም ብደቡብ ኣፍሪቃ ኮለል ኢለን ክሓልፋ መሪጾም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG