ዋሽንግተን —
ኣምባሳደር ኣመሪካ ንሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትድግፎ እትኽእል ንቓዛ ዝምልከት ንድፊ ውሳነ ከምዝተዳለወ ገሊፀን።
“ንዝተዳለወ ንድፊ ውሳነ ድምፅና ክንህበሉ ድሉዋት ኢና። ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ ፀገም ዝርከቡ ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ከምፅእ ዝኽእል ውሳነ እዩ” ኢለን። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ብወገኖም ኣብ ቓዛ “ሰብኣዊ ዕንወት” ከምዘጋጠመ ብምግላፅ ስርዓት ገበርቲ ሰናይ ሰብኣውያን ሙሉእ ብሙሉእ ምፍራሱ ኸኣ ኣብ ህዝባዊ ስርዓታት ዕንወት ኣስዒቡ ጅምላዊ ምምዝባላት ናብ ግብፂ ንክዉስኽ ፀቅጢ ክፈጥር ይኽእል እዩ” ኢሎም።
ትማሊ ሓሙስ ብ23 ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝወፀ ሪፖርት ከምዝሕብሮ ኣብ ቓዛ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ቅልውላው መግቢ ከምዝርከብን ከምኡ'ውን ከባቢ 576,600 ድማ ኣብ “ኣዝዩ ሓደገኛ” ደረጃ ጥምየት ከምዝርከቡ ዝሓበረ እዩ። ብተወሳኺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ ብዘይካ ኣብ ውሑድ ከባቢ 90% ህዝቢ ቓዛ ቀፃሊ ምሉእ መዓልቲ ብዘይገለ መግባዊ ሓገዝ ይውዕሉ ምህላዎም ገሊፁ።
ቅጥዒ