ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ዘለው ሓለፍቶም ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ ትፅቢት ኣብ ዘይተገበረሉ እዋን ስልጣኖም ለቒቖም።
ስካት ግራሽን ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ተፈፃሚ ዝኸውን ናይ ስልጣን መልቀቒ ወረቐት ንምምሕዳር ኦባማ ምቕራቦም ኣፍሊጦም ኣለው።
ግራሽን መልቀቒ ምኽንያት ስልጣኖም ኣብ ኣገባብ ኣመራርሓይን ቐዳምነት ክወሃቦም ብዛዕባ ዝግብኡ ነገራትን ምስ ዋሽንግተን ብዘለና ኣፈላላይ እዩ ኢሎም ኣለው።ዝርዝር ግን አየገለፁን።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ ሰሙን ግብረሰዶማዊያን ዘጋጥሞም ሽግር ብዝምልከት ሓደ ኣኼባ ምስተኻየደ ገለ ኬንያዊያን ነቒፎምዎ ነይሮም።ኣብቲ ኤምባሲ ናይ ሓበሬታ መኮነን ዝኾና ካትያ ቶማስ ግን እቲ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ምስቲ ኣጋጣሚ ከምዘይተኣሳሰር ሓቢረን።
ግራሽን ንዝሓለፉ 14 ኣዋራሕ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ብምዃን ኣገልጊሎም ኣለው።ቅድም ክብል እውን ኣብ ሱዳን ናይ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ፍሉይ ልኡኽ ብምዃን ንኽልተ ዓመት ኣገልጊሎም ነይሮም።