ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትልግሶ ደገፍ ክትቕፅለሉ እያ' ኢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ


ኣምባሳደር ማይክል ረይነር
ኣምባሳደር ማይክል ረይነር

ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ እትልግሶ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ሓገዝ ከምእትቕፅለሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ማይክል ረይነር ገሊፆም።ከም ቻይና ዝኣመሰላ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይሳተፋ ሃገራት እውን ክሳተፋ ኣተባቢዖም ኣለው።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዘፈራት ሰብኣዊን ልምዓታዊን ሓገዝ በብዓመቱ ንኢትዮጵያ ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ዶላር ክትሕግዝ ፀኒሓ’ላ።እቲ ሓገዝ ኣብ እዋን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እውን ከምዝቕፅል ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ገሊፆም።

‘’ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንምሕጋ ዘለዋ ድልውነት ፅንዑን ነዊሕ ዝዘለቐን እዩ’’ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክሳብ ዘለው ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብና ክንቕፅለሉ ኢና’’ኢሎም።ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ምዃናን ኣብ ዓመት ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ዶላር ሰብኣዊን ልምዓታውን ሓገዝ ኢና ንልግስ ኢሎም ብምስዓብ።

ንዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

XS
SM
MD
LG