ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ምስ ሴኔተራት ኣሜሪካ ተዘራሪበን


Susan Rice
Susan Rice
ኣብ ሕ/መ ኣምባሳደር ኣሜሪካ፣ካብ ሎሚ ጀሚረን ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ እናተራኸባ፣ብዛዕባ ኣብ ቤንጋዚ ሊብያ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክዘራረባ መደብ ሒዘን‘ለዋ።

እቲ ብድሕሪ ዕፁው ማዕፆ ዝካየድ ልዝብ፣ሱዘን ራይስ ቀፃሊት ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ንክኾና ንዘሕግዘን ድጋፍ‘ቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ንክከስባ ከሕግዘን‘ዩ።

ብመሰረት ሚድያታት ኣሜሪካ፣ሱዘን ራይስ ምስ ሴኔተራት ጆን መከይን፣ልንድይ ግራሃምን ኬልይ ኣዮቲን ክራኸባ መደብ ኣለወን።

ሰለስቲኦም ሴኔተራት፣እተን ኣምባሳደር ነቲ ኣብ ቤንጋዚ ንኣምባሳደር ክርስቶፈር ስቲቭንሰንን ካልኦት ሰለስተ ኣሜሪካውያንን ዝቀተለ ኩነታት ኣመልኪተን ንዝሃበኦ ሪኢቶ፣ኣበርቲዖም ከምዝወቀሱ ዝዝከር‘ዩ።

ሱዘን ራይስ፣ኣብ‘ዚ እዋን ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ኮይነን የግልግላ ንዘለዋ ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን ዝትክኣ ሕፅይቲ ክኾና‘የን ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ንሰን ብፕረዚደንት ኦባማ እንተተመሪፀን፣ብሰኔት ኣሜሪካ እቲ ሹመት ክፀድቅ ኣለዎ።
XS
SM
MD
LG