ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣማሓደርቲ ከተማ ኣዳማ ከምዝተዘራረባ ተፈሊጡ


ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን -ፋይል
ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን -ፋይል

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን፣ ምስ ኣማሓደርቲ ከተማ ኣዳማ ከምዝተዘራረባ ተፈሊጡ።

ንሰን ምስ ከንቲባ’ታ ከተማ ኣቶ ሃይሉ ጄልዳ ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን፣ ብዛዕባ ሰላምን ጸጥታን ልምዓትን ምስ ተማኸራ፣ ነቲ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ኣብ’ታ ከተማ ዝተሃነጸ ቤተ መርመራ (ላቦራቶሪ) ሕክምና ተዓዚበን።

ከንቲባ'ታ ከተማ "ኣዳማ፣ ብዙሓት ብሄርን ብሄረሰባት ሓቢሮም ዝነብሩላ ጽብቅቲ ከተማ እያ፣ እዚ ተመክሮ’ዚ ድማ ሃገራዊ ተመክሮ ንክኸውን ዝካኣለና ንሰርሕ ኣለና"ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም።

ኣምባሳደር ጃኮብሰን ብወገነን "ኣዳማ፣ መዓልታዊ ልዕሊ 600 በጻሕቲ ዝኣትውላ፣ መንበሪ ብዙሓት ብሄራትን፣ ንምምኽኻር፣ ንህንጸት ሰላም፣ ዓብዪ ተራ ዘለዋ ከተማ እያ" ከምዝበላ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ድምጺ ኣመሪካ ።

XS
SM
MD
LG