ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ምክልኻል ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣልጀሪያ ንዝተኻየደ መጭወይቲ ኮኒኖምዎ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ምክልኻል ሊዮን ፐኔታ ኣብ ሓደ ናይ ኣልጀሪያ ትካል መውፅኢ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ክሳብ 41 ሰባት ዝበፅሑ ወፃእተኛታት ንኽጭወዩ ንዝገበረ መጥቓዕቲ ኣውጊዞምዎ።እቲ ስጉምቲ ፈረንሳይ ኣብ ማሊ ትወስዶ ንዘላ ወታደራዊ ስርሒት ሒነ ንምፍዳይ እዩ ክብል ነቲ መጥቓዕቲ ኣነ እየ ፈፃሚኡ ዝበለ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሓደ ሓድሽ ኣኽራሩ ጉጅልው ገሊፁ’ሊ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ብኩባኒያታት ብሪታኒያ፣ነርዌይን ኣልጀሪያን ዝስራሕ ትካል ንዝተፈፀመ መጭወይቲ ኩሎም ኣድልየትን ግቡኣትን ስጉምትታት ክትወስድ እያ ኢሎም ምንስቴር ምክልኻል ፐኔታ።ቀፂሎም ’’ዩናይትድ ስቴትስ ንከምዚኦም ዝበሉ ናይ ሽብር ተግባራት ብፅኑዕ ትኹንኖ።ኣሜሪካዊያዊያን ምስካልኦት ክጭወዩ ከለው ከቢድ ጉዳይ ገይርና ኢና ንሪኦ።’’

ካብቶም ዝተጨወዩ ኣሜሪካዊያን ክንደይ ከምዝኾኑ ከምዘይፈልጡ ግን ፐኔታ ኣብ ሮም ኣብዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ናይ እስላማዊ ማግረብ ኣልቃይዳ ንቪኦኤ ኣብዝሃቦ ቃል ሸውዓተ ኣሜሪካዊያን ከምዝተትሓዙን ፈረንሳይ ኣንፃር እቲ ጉጅለ ኣብ ማሊ እተካይዶ ዘላ ወታደራዊ ስርሒት ንምሕጋዝ ዩናይትድ ስቴትስ እንተድኣ ፈቲና ዋጋ ክትኸፍል እያ ኢሉ’ሎ።

ፐኔታ ቅድም ክብል ዩናይትድ ስቴትስ ኣጋር ወታደራት ኣይትልእኽን እያ እንተኾነ ግን ኣብ ማሊ ንዝርከቡ ናይ ፈረንሳይ ሓይልታት ናይ ስለያ ፣ሎጂስቲክስን መጎዓዚያን ሓገዝ ክይህብ እያ ኢሎም።
ኣብ ናይ ለንደን ቤት ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ናይ ኣል-ቃይዳ ጉዳይ ክኢላ ዝኾና ኣሊያ ብራሂሚ ትማሊ ረቡዕ ከምዝገለፅኦ ናይ ማግረብ እስላማዊ ጉጅለን ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዝርከቡ ካልኦትን ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያት ይህቡዎ ዝነበረ ጠመተ ብምግዳፍ ሸቶታቶም እናለወጡ እዮም ኢለን።
XS
SM
MD
LG