ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 150 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ሞሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣሜሪካ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ሶማል ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 150 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኸምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ምኽልኻል ኣሜሪካ ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቓዕቲ ዓቢይ ጽልዋ’ዃ እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ አብ ሶማል ገና ነዊሕ ቓልሲ አብ ቕድሚኡ ኸምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ዘካየዱ ፕረዝደንታዊ ወሃቢ ቃል ሶማል ዳውድ ኣውየይ ሶማል ብዛዕባ’ቲ መጥቓዕቲ አፍልጦ ኸምዝነበራ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘበርከተት’ውን ይገልጽ።

ንሶም ብተወሳኺ ‘ ኣንጻር ሽበራ ኣብ ዝካየድ ኹናት እቲ መጥቓዕቲ ንሶማል ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሉእ’ቲ ዞባ አገዳሲ ዓወት’ዩ። እዚ ሓይልታት ሶማል ዝተሓባበርዎ ዝተዋሃሃደ መጥቓዕቲ’ዩ። እቲ ኸባቢ አብ ትሕቲ ጽኑዕ ስለያዊ ምክትታል’ዩ ኔሩ’ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ካፕቴን ጀፍ ደቪስ እቶም ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ኻብ’ቲ ካምፕ ክብገሱ ተዳልዮም ምንባሮምን ንሓይልታት ሕብረት አፍሪቃ ንኣሜሪካዊያን ወታሃደራዊ ኣማኸርቲ ቕጽበታዊ ሓደጋ ምኳኖም ጠቂሱ።

ወሃቢ ቃል ኣል-ሸባብ አቡ ሙሳብ ግን እቲ ደብዳብ ምክያዱ ድሕሪ ምርግጋጽ ብዛዕባ’ቲ ቑጽሪ ዝሞቱ ግን ዝተጋነነ’ዩ፡ ኣል-ሸባብ ብምኽንያት ጸጥታዊ ጉዳያት ካብ 100 ዕጡቓት ንላዕሊ ኣብ ሓደ ቦታ እይእኽብን’ዩ’ውን ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆስ ኤርነስት ብወገኑ እቲ መጥቓዕቲ ነፈርቲ ምክያዱ አረጋጊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG