ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ወታሃደራዊ ሓገዝ ንግብጺ ክትህብ'ያ


 ከተማ ካይሮ - ፋይል
ከተማ ካይሮ - ፋይል

ኣመሪካ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዝ ንግብጺ ከምትህብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

እዚ ደገፍ ጥቅሉል ሓገዝ ከምዝዋሃብ ዝተገልጸ፣ ኣመሪካን ግብጺን ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር ሓቢረን ኣብ ዝዓያሉ እዋን እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካ ንግብጺ ዝሃበቶ ሓገዝ፣ ኣብ ኩነታት ምምሕያሽ ክብርታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሰ ነይሩ። ምምሕዳር ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ ብምዕፋን ተቃውሞ ተኸሲሱ ከምዝነበረ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እዚ ናይ ሕጂ ሓገዝ ግን ኩነተ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግብጺ ተማሓይሹ ኣሎ ከምዝበለ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG