ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየዱ መርሃ ግብሪ ኤችኣይቪ መንግስቲ አሜሪካ 1.4 ቢልዮን ዶላር ብቀጥታ ኣስተዋፅኦ ጌሩ ኢሎም ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየዱ መርሃ ግብሪ ኤችኣይቪ መንግስቲ ኣሜሪካ 1.4 ቦልዮን ዶላር ብቀጥታ አስተዋፅኦ ከም ዝገበረ ዝገለፁ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ አሜሪካ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ተበግሶ ረድኤት ኤድስ አሜሪካ ፐትፋር'ን ውፅኢቱን አመልኪቶም ሎሚ ረፍዲ 30 ሕዳር ኣብቲ ኤምባሲ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሃብሉ'ዩ።

መርሃ ግብሪ ፐትፋር ኣብ 2003 ዓ. ም ብፕረዚደንት ቡሽ ካብ ዝጅመር ንደሓር አሜሪካ ዓለም- ለኸ ለበዳ ኤድስ ንምምካት ክሳብ 39 ቢልዮን ዶላር አውፂኣ'ላ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን 1.4 ቢልዮን ዶላር ኣብ ስራሕ ዊዒሉ'ሎ ክብሉ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ኣብቲ መግለፂኦም ብመሰረት ዝተኻየደ ሓድሽ ዳህሳስ ጥዕና ስነ-ህዝቢ ሞት ትሕቲ 5'ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ብ'28% ነኪዩ'ሎ ኢሎም።

አተሓሒዞም እንተኾነ ሞት አዴታት ወላ እንተነከየ'ካ ገና ኣብታ ሃገር ከቢድ ፈተና'ዩ ኾይኑ ዘሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG