ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽንፈኝነት ንምውጋእ ዝዝትይ ናይ ስለስተ መዓልታት መድረኽ ዘተ አብ አዲስ አበባ ይካየድ ኣሎ


ብሓይሊ ዕላምኡ ንምፍጻም ዝንቀሳቀስ ጽንፈኝነት ንምውጋእ ሃገረን ምስ ኣፍሪቃ ብሽርክና ከምትሰርሕ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ኣሜሪካ ተልእኾ ፈጻሚት ጉዳይ ጀስካ ደቪስ ገሊጸን።

እተን ፋጻሚት ጉዳይ ነዚ ዝገለጻ ኣብቲ ኣርእስቲ ንምዝታይ ናይ ስለስተ መዓልታት ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ አበባ ኣብ ዝተኸፍትሉ መድረኽ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ምኽክር ናይ ኣሜሪካ ናይ ኣፍሪቃ ተልእኾ ፈጻሚት ጉዳይ ጀሲካ ደቪስ ከምዚ ኢለን።

“ኹልና ከምንግንዘቦ ዓለምኻ ብሓይሊ ንምዕዋት ዝፍትን ጽንፈኝነትን ግብረ ሽበራን ምግፍሕ ኣብ ጸጥታ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶታት ልምዓትን ብመንጽር ዲሞክራሲ ዝተረኽቡ ዓወታት ዝለዓለ ፈተና የንጸላልዎም ኣሎ። ዕላምኡ ብሓይሊ ንምዕዋት ዝፍትን ጽንፈኝነት ንኹልና ስግኣት’ዩ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG