ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን ብዛዕባ ዋዕላ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝሃብዎ ሪኢቶ


ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን
ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን

ኣብ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩ ዴቭድ ሽን፣ዩ-ስ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ጊዜ በዚ ደረጃ‘ዚ ምስ ኣፍሪቃ ፅምዶ ዝገበረትሉ መድረኽ ምኳኑ ገሊፆም።

ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ - ናይ ኤርትራ፣ዚምባብዌ፣ሱዳን፣ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ምዕራባዊ ሳሃራን ናብ ዋዕላ መራሕቲ ኣይተዓደሙን።

”ኣነ ክሳብ ዝተካኣለ ብምፅንባር ዝኣምን ሰብ‘የ።ኣብ ምሕንፃፅ ፖሊሲ እንተዝኸውን ነይረ፣እቲ እንኮ ናብ‘ዚ መድረኽ‘ዚ ክመፅእ ዘይዕድሞ መራሒ ሱዳን‘ዩ።ካብኡ ዝሓለፈ እቶም ዝተከልከሉ ምዓደምኩዎም ነይረ” ኢሎም።

መራሒ ኢትዮዽያ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ‘ዚ ዋዕላ‘ዚ ይሳተፉን ኣብ መድረኻት ውሕስና መግቢን ሕርሻን ተረኺቦም ናይ ሃገሮም ኣብነታዊ ዝተባሃለሉ ተመክሮ ንከካፍሉ ብዳይረክተር USAID ተዓዲሞም‘ዮም።

ምምሕዳር ኦባማ ንዋዕላ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘዳለወሉ ምኽንያት ከም‘ቲ ሚድያታት ዘቃልሐኦ ንከም ቻይና ዝኣምሰላ ሃገራት ኣብ‘ታ ኣህጉር ዝጀመረኦ ተበግሶ ንምግጣም ዝዓለመ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢሎም ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:41 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG