ምምሓዳር ኦባማ ኣብ ምምሕይሽ ጉዳያት ዴሞክራሲ፡ቁጠባዊ ዕብየት፡ፀጥታን ንግድን ትሕቲ ሰሃራ ሓዱሽ ምሕዝነት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ናብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ዘቕንዐ ሓዱሽ ፕሬዝዳንታዊ ፖሊሲ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ 2009 ኣ/ፈ ኣብ ጋና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝተመስረተ እዩ።ዩናይትድ ስቴትስ ዴሞክራስያዊ ትካላት ንምጥንቓርን ቁጠባዊ ዕብየትን ኢንቨስትመንትን ንምሕያልን ቅርብቲ እያ ይብል ዋይት ሃውስ።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ኣፍሪካ መፃኢ ዕድል ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ዝተመስረተ ምዃኑ ካብ ልቢ ይኣምኑ እዮም ኢለን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴን።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ዝበለፀ ግሉፅነትን ተሓታትነን ዘለዎ ምሕደራ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ንምስፋን ትካላት ብምጥንቓር ናይ ኣፍሪካ ዴሞክራሲ ኣብ ምስጛም ዝዓለመ እዩ።ንተማንነት ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ንዝዕንቅፉ መራሕቲ ከምዝብድህ’ውን እቲ ፖሊስ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ወ/ሮ ሂላሪ ክልንቴን መራሕቲ መንግስታውን ውልቃውን ዘፈራት ትማሊ ሓሙስ ኣብዘካየድዎ ዓመታዊ ኣኼባ ተረኺበን ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ምምሕዳር ኦባማ ኮንግረስ ነቲ ዝፀንሐ ውዕል ንግዲ ንኸናውሖ ድፍኢት እናገበረ ምዃኑ ሓቢረን።
እቲ ፕሬዝዳንታዊ ፖሊሲ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝህልዋ ፀጥታዊ ምሕዝነታ ከም እተዕሙቕን ሓገዝ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ከምዘተተኩርን እውን እቲ ፖሊሲ ወሲኹ ይገልፅ።
ምምሕዳር ኦባማ ይብል እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣብ ኣይቨሪ ኮስትን ኬንያን ዝተፈጠረ ህውከት ንኽብቅዕ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ሱዳን ሰላም ንኽሰፍን ኣብ ምስራሕ ንመኸተ ጎይታ ኣብ ምህዳን ከምኡ’ውን ኣብ ሱማሊያ ምርግጋእ ኣብ ምዕሳልን ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪካ ዝተመዝገቡ ዝበሎም ሓያሎ ዓወታት ከምዝሃንፅ ሓቢሩ።