ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ተማሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸም ቕትለት ብምቕዋም ትምህርቲቶም ራሕሪሖም ወጺኦም


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተማሃሮ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ኮንግረስ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሜሪካ ንዝፍጸም ቅትለት ንምቅዋል ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ብምቅዋም ሎሚ ኣብያተ ትምህርቶም ራሕሪሖም ወጺኦም ኣለው።

እቲ ተቃውሞ ን17 ደቓይቅ ንምጽናሕ ዝዓለመ’ዩ።እዚ ጊዜ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝተቀትሉ 14 ተማሃሮን ሸውዓተ ሰራሕተኛታትን ንምዝኻር’ዩ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣማኢት ተማሃሮ ናይ ትምህርቲ ቦርሳታቶም ተሓንጊጦም ናብ ዋይት ሃውስን ካፒቶል ተሰሊፎም ከይዶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG