ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዘይተዓጥቐ ፀሊም ዝቐተለ ፃዕዳ ፖሊስ ዘኽስስ ገበን ኣይፈፀም ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምውሃቡ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ


Activists Central Terminal New York
Activists Central Terminal New York

ንዘይተዓጠቐ ፀሊም ከይትንፍስ ጎረርኡ ሓኒቑ ንዝቐተለ ፃዕዳ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክ ግራንድ ጁሪ ኣይኽሰስን ክብል ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክን ካልኦት ከተማታትን ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተባሪዑ።

እቲ ውሳነ ምስተሰምዐ ድሕሪ ስዓታት ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ፍሉጥ ኣደባባይ Times Square ብምውፃእ ተቓውምኦም ኣስሚዖም።’’ፍትሒ የለን፤ሰላም የለን’’ ዝብል ጭርሖ የስምዑ ነይሮም።እቲ ተቓውሞ ብዝዓበየ ሰላማዊ እንተነበረ እውን ፖሊስ ስርዓት ዝጠዓሰ ተግባራት ፈፂሞም ንዝበሎም 83 ሰባት ኣሲረ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

ብመንገደኛ ብቴሌፎን ዝተቐረፀ ቪዲዮ ከምዘርእዮ 43 ዝዕድሚኡ ኤሪክ ጋርነር ግብሪ ዘይተኸፈሎ ሽግራ ሸይጥኻ ብዝብል ይኣስርዎ ምስ ዝነበሩ ብዙሓት ፖሊስ ከተማ ኒው ዮርክ ክጨቓጨቕ ይርአ።ድሕሪ ደቓይቕ ፖሊስ ዳንኤል ፓንታሊዮ ንጋርነ ብድሕሪት ጎረርኡ ኣስጢሙ ብምሓዝ ኣውዲቑዎ።

ሕማም ኣስማ ዝነበሮ ጋርነር ብተገደጋጋሚ ’’ክትንስፍ ኣይክኣልኩን’’ ክብል ብሕፅረት ኣየር ክዛረብ ይስማዕ ነይሩ።ጋርነር ሓኒቕካ ብምሓዝ ከምዝተቐተለ ሓኪም ዕላዊ ገይሩ።እዚ ኣተሓሓዝ ጥርጡራት ብፖሊስ ኒው ዮርክ ኣብ 1993 ኣ/ፈ ዝተኣገደ ተግባር እዩ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ እቲ ውሳነ ብዙሓት ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ብኣኽበርቲ ሕጊ ብሚዛናዊነት ኣይንትሓዝን ዘለና ዝብል ጭንቀትን ስግኣትን ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ዘይምርዳእ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ኣብ ገሊኡ ግን ዝፍፀም ሓቂ እዩ ኢሎም።ብምስዓብ‘’ኩላትና ኣሜሪካዊያን ዘርእና፣ሃይማኖትና፣እምነትና ብዘየገድስ እዚ ናይ ፀሊም፣ናይ ከደረዋይ፣ወይ ሞቦቆሎም ኣሜሪካዊያን ናይ ዝኾኑ ሰባት ፀገም ኣይኮነን፤ናይ ኣሜሪካ ሽግር እዩ።ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብር ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሕጊ ብማዕርነት ዘይትሓዝ እንተኾይኑ እዚ እዩ እቲ ፀገም።ከም ፕሬዝዳንት ነዚ ምፍታሕ ስርሐይ እዩ’’ኢሎም።

ምንስቴር ፍትሒ ዩናይትድ ስቴትስ ኤሪክ ሆልደር ምስ ሞት ጋርነር ዝተኣሳሰረ ፌደራላዊ ምርመራ ስቪላዊ መሰላት ከምዝጅመር ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም።ናይ ጋርነር ስድራን ተሓለቕቲ መሰላትን ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሮም ክውሰድ ይሓቱዎ ዝነበሩ ስጉምቲ እዩ።

ዳንኤል ፓንታሊዮ ዘኽስስ ገበን ኣይሰርሐን ዝብል ውሳነ ዝውሃብ ዘሎ ኣብ ፈርግሰን ሚዞሪ ንዘይተዓጥቐ ፀሊም ዝቐተለ ፃዕዳ ፖሊስ ዘኽስስ ገበን ኣይሰርሐን ክብል ግራን ጁሪ ድሕሪ ምውሳኑ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG