ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምክልኻል ዶባት ኣመሪካ ኣብቂዑ


ብ”ታይትል 42” ዝፍለጥ፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ19 ዝጀመረ መምርሒ ዶባት ኣመሪካ ትማሊ ሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዘብቅዓሉ፡ ምምሕዳር ባይደን ዝጸንከረ መምርሒ ኢምግረሽን የተኣታቱ ኣሎ። ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣለሃንድሮ ማዮርካስ ከም ዝሓበሮ፡ በቲ ሓድሽ ሕጊ መሰረት፡ ኣብ ዶባት ኣመሪካ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣስታት 150-ሽሕ ናብ ዝመጽእሉ ቦታ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

መምርሒ ዶባት 'ታይትል 42' ኣብ ዘብቅዓሉ፡ ኣብ ዶባት ኣመሪካ ከቢድ ምድንጋርን ዘይንቡር ተስፋታትን ፈጢሩ ምህላዉ ናብቲ ዶባት ዝተጓዓዙ ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

እዚ መምርሒ ክወድቕ ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓስርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ኣብ ዶባት ኣመሪካ ዓስኪሮም እኳ እንተለዉ፡ ሓለዋ ዶባት ኣመሪካ ግን እቲ ዶብ ተኸፊቱ ማለት ከም ዘይኰነ ብምምልካት ይኽልክሉ ኣለዉ። እቶም ኣቐዲሞም ቆጸራ ተታሒዙሎም ዝጸንሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዶባት ጥሒሶም ክኣትዉ ምስ ዝፍትኑ ዑቕባ ናይ ምምልካት መሰሎም ከም ዝስረዝ ሰብ-መዚ ኢምግረሽን ኣመሪካ ይሕብሩ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG