ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክፈትሕ ኣሜሪካ ጸዊዓ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሓሳቦም ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰሎም ብምጥቃሞም ዝተአሰሩ ካልኦት ሰባትን ብምሉኦም ንክፈትሕን ኣዋጅ ጸረ-ሽብራ ንድምጺ ተቃውሞ መዓፈኒ ጌሩ ካብ ምጥቃም ንኽቁጠብን ኣሜሪካ ጸዊዓ።

ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ትማሊ አብ ዘውጽዕዎ መግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ጊዜ አብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፈጸመቶም ማእሰርቲ ሃገሮም ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዝጸንሑ ሓያለ ጸሓፍቲ ኢንተርነት(ብሎገራት) ምፍትሖም ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብዝተራኣዩ ኣንፈታት ምምሕያሽ ኣሜሪካ ተተባቢዓ ምንባራ ዝሓበረ እቲ ናይ ትማሊ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ ጋዜጣዊ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክብሪ መሰል ምዝራብ ብምድልዳልን ዲሞክራሲያዊ ስጉምትታት ብምዝርጋሕን ዘመዝገቦም ለውጥታት ንኽድልድል ምዝኽኻር ክንቅጽል ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይከአል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክፈትሕ ኣሜሪካ ጸዊዓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

XS
SM
MD
LG