ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ክረምቲ ሓረስቶት ግራውቶም ንክሓርሱ ህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልይ ይብል ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ እዋን ማሕረስን ዝናብን ክኣትው 6 ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ሓረስቶት ግራውቶም ንክሓርሱን እቲ ብደርቂ ዝተወቅዓ ከባቢታት’ታ ሃገር ናብ ዝገደደ ጥምየት ከይቃላዕ ንምሕጋዝ ብህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክወሃብ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ተማሕጺኑ።

ዘርኢ ብግዚኡ እንተይዘበጽሐ ጽቡቕ ኣዝመራ ክርኸብ ዘይከአል’ዩ ክብል’ቲ ናይ ሕ/ሃ ትካል ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኩነታት ውሕስነት መግቢ’ታ ሃገር ኣብ ዝጎደለሉ ንኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓ.ም.ፈ ክወሃብ ካብ ዝተሓተ ሓገዝ ግን 15 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ተረኺቡ እዚ ኸአ ዘጉህይ’ዩ ይብል ትካል ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO)።

እቲ ትካል ብተወሳኪ ኣብ ዝቅጽል 2 ሰሙናት ንሓረስቶት ዘርኢ ንምብጻሕ 10 ሚሊዮን ዶላር የድሊ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG