ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ`ቲ ንሃገራት ዓለም ዝግምግም UPR፡ ዓፋኒ'ዩ ንዝተባህለ ሕግታት ክተመሓይሽ ዝተሓተተት ኢትዮጵያ "አይቅበሎን" ኢላ


ኣብ`ቲ ኣብ ጀነቫ ዝቐጸለ፡ ሕድሕዳዊ ምግምጋም፡ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዛጊድ ዝቀረበ ሓሳባት ብፅሑፍ ጥራይ'ዩ።

ኣብቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብፅሑፍ ዝቀረበ ሓሳባት፣ ዓፈንቲ'ዮም ዝተባህሉ ሕጊ ፀረ-ሽበራን ንዘይመንግስታውያን ትካላት ዝቆፃፀር ሕግን ክመሓየሹ ኣብ ክሊ ሶማሌ ትካላት ረድኤት አትዮም ክሰርሑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንረድኤት መዕፆ ክኸፍትን ዝብሉ ይርከብዎ።

መንግስቲ አውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላፅን ነፃነት ክኽበር ዘረጋግፅ ፍሉይ ራፖርተር ንኽዋፈር ዝብል ሓሳብ ኣቅሪቡ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝቀረበ ሓሳባት ዝሃቦ ምላሽ'ዉን ኣብ ዓንዲ ኢንተርነት UPR ከምዝርአ ፣ ብሓደ ቃል ዝተጠቃለለ " አይንቅበሎን" ዝብል'ዩ።

አኼባ UPR ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ፡ ንኹለን ሃገራት ዝምልክት መድረኽ ሕድሕዳዊ ምግምጋም ሰብኣዊ መሰላት`ዩ።
TIG-UPR-Ethiopia
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:55 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG