ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ሓድሽ ደርቂ ንምምካት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ

ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ሓድሽ ደርቂ ንምምካት ዘቕረበቶ መጸዋዕታ ረድኤት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ህጹጽ ምላሽ ክህብን ደገፉ ክገልጽን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ ናይ ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ዋና ጸሓፊ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ደርቂ ዝዘተየን ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተዛዘመንን ኣኼባ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሓድሽ ዘጋጠመ ደርቂ 5.6 ሚሊዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዘድልዮ ገሊጹ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ረድኤት ከምዝሓተተ ይዝኸር።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል መአኸቢ አዳራሽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኣርባሒ ከብቲ ዝኾነ ማሕበረሰብ ሓድሽ ደርቂ ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምግላጹ ዝተኻየደ ፈለማይ ዝለዓለ ብርኪ ዘለዎ ዓለምለኸ ኣኼባ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG