ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ ባን ኪሙንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ተራኺቦም


Eritrean FM Osmana Salih -Ban ki-MOON
Eritrean FM Osmana Salih -Ban ki-MOON

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን ምስ ምኒስቲር ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ትማሊ ሶኒ ተራኺቦም።

ክልቲኦም ወገናት ኣልዒሎም ዝተዘራረብሎም ኣጀንዳታት፣ ምትሕግጋዝ ሕ/ሃን ኤርትራን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ፣ ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ገሊኦም’ዮም።

ኣብ ዙርያ ምጥንካር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ክልቲኦም ወገናት ተቀራሪቦም ንክሰርሑ ዋና ፀሓፊ ኣዘኻኺሮም።

ክልቲኦም ወገናት፣ ስደትን ንግዲ ደቂ-ኣዳምን ንሃገራት’ቲ ዞባ ሻቅሎት ኮይኑ ከምዘሎን ኩሉ-ሓቆፍ ግብረ-መልሲ ከምዝጠልብ ተሰማሚዖምን።

XS
SM
MD
LG