ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንእስራኤል ዝኹንን ውሳነ ኣሕሊፉ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፣ ነቲ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ፍልስጤማዊያን ትቅጽለሉ ኣላ ዝበሎ ህንጸት ሰፈራ ዝኹንን ውሳነ ሎሚ ዓርቢ ኣሕሊፉ። ኣሜሪካ ብዘይተለመደ ኣገባብ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቆጢባ።

ኣሜሪካ ተኣቅቦ መሪጻ ማለት ድማ እቲ ውሳነ ሓሊፉ'ሎ ማለት'ዩ። ኣብ ውሽጢ 8 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ'ዩ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቅ ውሳነ ይሓልፍ ዘሎ።

ኣብ'ቲ 15 ኣባል ሃገራት ዝርከባሉ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እቲ ውሳነ ብ14 ድጋፍ ከምዝሓለፈ ምስተገለጸ ነውጻዊ ጣቕዒት ተቃሊሑ'ሎ።

እቲ ውሳነ እስራኤል ንምብራቃዊ የሩሳሌም ሓዊሱ ኣብ ዝተጎብጡ ግዝኣታት ፍልስጤማዊያን ዝጀመረቶ ህንጸት ብህጹጽ ብቅጽበትን ክተቛርጾ ይሓትት።

ካብ ኣሜሪካ ንቡር ድጋፍ ንጽበ ነይርና ኢና ዝበሉ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕ/ሃ ነቲ ውሳነ 'ዘሕፍር' ኢሎም ገሊጾምዎ።

ቬንዙዌላ፣ ሴኔጋል፣ ኒውዚላንድን ማሌዥያን ብመሰረት ዘቅረበኦ ሕቶ'ዩ እቲ ድምጺ ተዋሂቡ። ግብጺ ግና ፈለማ ሓቲታ ነይራ ዳሓር መርገጺኣ ቀይራ ንሕቶኣ ስሒባ። ድሕሪ ተመራጻይ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምዝርራቦም።

ዕድመ ስልጣኑ የብቅዕ ዘሎ ምምሕዳር ኦባማ ምስ ቀ/ሚ እስራኤል ጥዕና ዘለዎ ርክብ ኣይጸንሖን። ዋላ'ውን ንሰፈራ ዝምልከቱ ረቂቅ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብቪቶ ስልጣን እናሰዓረ እንተመጸ። ተተካኣይ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መንግስቲ እስራኤል ጽኑዕ ዝምድና ክህልዎ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG