ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ 'ንስቅትኡ' ሰቢሩዎ


UNSC
UNSC

ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሻድሻይ ወርሒ አብ ዝሓዘሉ እዋን፣ ንስቅታኡ ዝሰበረ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክቀርብን ነገራት ናብ ንቡር ንክምለስን’ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ፣ ብውልቀን ብዕስለን ብፍላይ ብዩኒፎርም ዝለበሱ ኣባላት ሰራዊት ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ዝጠቅሱ ዝርብሽን ኣሰምባዲን ሪፖርታት ይወጹ ኣለው። ሓንቲ ላዕለወይቲ ባዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዚ ሰሙን ክዛረባ ከለዋ ‘ስፍሓትን ዕምቆትን እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንምንጻር ኣዋርሕ ክወስደልና ይኽእል’ዩ’ ከምዝበላ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂኦርጅታውን ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዋዓለ መድረኽ ልእኽቲ ኣየርላንድ ዝኾና ጀራልዳይን ባይርን ኔሰን ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሒዝዎ ዝነበረ ስቅታ ንእዝንኻ ዘጽምም እዩ፣ ነቲ ኩነታት’ውን ዝሕግዝ ኣይነበረን’ ክብላ ገሊጸነኦ እየን። ትማሊ ሓሙስ ዝበለኦ ግና ኣንጻሩ እዩ።ከምዚ በላ ‘እዚ ቤት ምክሪ’ዚ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ንፈለማ ጊዜ ብሓደ ድምጺ ምዝራብ ጀሚሩ ኣሎ‘።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ‘እቲ ዝተካየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ውሽጣዊን፣ ሰብኣዊ ስራሕቲ ሓዊሱ፣ ብሕጊ’ታ ሃገር ዝግዛእን እዩ። ኣብ ውሽጢ ሉአላዊነት ኢትዮጵያ ዝሕቆፍ’ዩ’ ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00


XS
SM
MD
LG