ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቀናቀንቲ ደቡብ ሱዳን እገዳ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣንፀላልይዎም


525607729
525607729

ባይቶ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ተቀናቀንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን እገዳ ክፅዕን ይደናደን‘ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዓቅሉ እናተፀንቀቀ ዝኸደ ይመስል።ፕረዚደንት‘ቲ 15 ሃገራት ዝኣባላቱ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣውስትራልያዊ ጌርይ ኲንትለይን እቲ ኣሻሓት ዝቀተለን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዘፈናቀለን የተሓሳስቦም ከምዘሎን ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን መቀናቅንቶም ሪክ መቻርን ዝዓርፍን‘ዩ ኢሎም።

እቲ ዝሕሰበሉ ዘሎ እገዳ ናብ ዝተወሰነ ዕላማ ዝቀንዐን፣ምናልባት‘ውን እገዳ ኣፅዋራት ከምዝሓቁፍን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ብሸምጋልነት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ልዝብ ፍረ ኣየምፀአን።ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ፍራንሲስ ማዲንግ ዴንግ ብወገኖም፣ነባራይ ፍታሕ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ብእገዳ ኣይመፅእን ዝያዳ ግጭት‘ዩ ዘስዕብ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG