ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ዝመረሐቶ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንረቒቕ ምምሕያሽ ወፍሪ ዕቀባ ሰላም ሕ/ሃ ኣሕሊፍዎ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቀረበ ረቒቕ ሰነድ ምምሕያሽ ልእኽቶ ዕቀባ ሰላም ሕ/ሃ ሎሚ ረቡዕ ተቐቢሉ ኣጽዲቅዎ።

ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ንምምሕያሽ ስራሕቲ ዕቀባ ሰላም ዝጽውዕ ሰነድ ብሙሉእ ድምጺ ከምዝሓለፈ’ ገሊጾም።

ፕረዚደንት’ቲ መድረኽ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ድሕሪ’ቲ መስርሕ ድምጺ ክዛረቡ ከለው ‘እቲ ውሳነ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልዕሊ 8 ሽሕ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ንዘዋፈረት ኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ’ ኢሎም።

መራሒት ዓባይ ብሪጣንያ ቴረሳ መይ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምስ’ዚ መዋእል’ዚ ዝጣዓዓም ብቕዓት ክውንን ትጽቢት ይግበረሉ’ ኢለን።

ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ብወገኖም ‘ኢትዮጵያ ነቲ ኣጀንዳ ስለዘቅረበት ድሕሪ ምምስጋን ዕቀባ ሰላም ማዕረ ዕቀባ ሰብኣዊ መሰላት ምኻኑን እንተኾነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝመርሖም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንኣብ ሃገሮም ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሳ ሃገራት ዝሓቆፈ ምኻኑ ንኣሜሪካ ኣሻቓሊ’ዮ ኢሎም ከምኣብነት ንኩይባን ቬንዙዌላን ጠቒሶም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00

XS
SM
MD
LG