ኤርትራ፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ንክፍፀምን እታ ከተማ ከም ባግዳድ ንምግባርን ሰሪሓ‘ያ፣ምስ ናይ ሶማልያ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኣል-ሸባብ ቀጥታዊ ርክብ ኣለዋ፣ኣብ‘ቲ ዞባ ድማ ስግኣት ኮይና‘ላ ዝብል ሰፊሕ ሪፖርት ኣውፂኡ‘ሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ግና ዕላማ‘ቲ ሪፖርት፣ኣቃልቦ ካብ ቀንዲ ጉዳይ ንምእላይ፣እንተተኻኢሉ ድማ ብፅዑቅ ዘመተ፣ስምዒታት ኣረሳሲንካ፣እገዳ ኣኽሪርካ ሓድሽ ናይ ቅልውላው ባይታ ንምፍጣር’ዩ ብምባል ነቲ ሪፖርት ነፂግዎ‘ሎ።
ኣብ ሓደ እዋን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን ብወገኖም፣ሕቡራት ሃገራት ዘውፀኦ ሪፖርት ዝነፅጎ ወይ ዘረጋግፆ ሪፖርት ኣይኮነን፣እቲ ሪፖርት ነብሱ ኪኢሉ ዝተሰነደ‘ዩ፣ግን እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ዝጠቅሶ፣እቲ ውዲት መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወጢኑ እንተኾይኑ፣እቲ መጥቃዕቲ ንዝፍፀመላ ኢትዮዽያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን ዘተሓሳስብ‘ዩ ኢሎም።
Monitoring Group: ኤርትራ ኣብ ውዲት መጥቃዕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢድ ኔርዋ ይብል፡ ኤርትራ ግን ክትሓስቦ ዘይትኽእል ጽዩፍ ዘረባ`ዩ ትብል
- በትረ ስልጣን

ነቲ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝቐረበ ሪፖርት ምላሽ ክህቡ ዝተሓተቱ ምንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ`ዮም