ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ንክንበር ፀዊዖም


ኣብ'ቲ ኣኼባ ወኪል / መራሒ ኤርትራ ኣይተረኸበን

ኤርትራ ኣብ‘ቲ ዞባ ቀንዲ ምንጪ ህውከት ኮይና ከምዘላ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ገሊፆም።ንሶም ነዚ ቃል ዘስምዑ፣ሎሚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ዘማሓላለፉዎ ናይ ቪድዮ መልእኽ‘ዩ።

ገለ ወገናት ኢትዮዽያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምስሕሓብ ቤተ-ሰባዊ ጎይቊ‘ዩ እናበሉ ክገልፅዎ ይፍትኑ ግን ሓቂ ኣይኮነን።ንሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ሓዊስካ ኩሎም ኣብ‘ቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ዝተረኸቡ መራሕቲን ወከልቲን ተመሳሳሊን ሓደን መርገፂ ሒዞም ከምዝቀረቡ‘ውን ሓቢሮም።


ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ግቡእ ቆላሕታ ንምሃብ ካብ‘ዚ እዋን‘ዚ ተመራፂ ክኸውን ዝኽእል ካልእ ጊዜ ክህሉ ከምዘይኽእል ዝገለፁ ወካላይ ኬንያ‘ዮም።ኣስዒቦም” ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ደገፍ ኣፅዋርን ሎጂስቲክን ትህብ‘ላ።እዚ ተንካፍን ተፃባኣይን ተግባር፣ካብ ሓንቲ ኣባል ኢጋድ‘የ ትብል ሃገር ትፅቢት ዘይግበር‘ዩ” ኢሎም።

ቅድሚ ኣቶ መለስ ዜናዊ መራሕቲ ጂቡቲን ሶማልያን‘ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝቀረበ ተወሳኺ ማዕቀብ ስለምንታይ ክፀድቅ ከምዘለዎ ዘርግፅ መደረ ኣስሚዖም።

XS
SM
MD
LG