ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ማዕቀብ ኤርትራውያን ይካትዕሉ


ካልኣይ ክፋል

ኤርትራ ኣብ 2008 ብቁፅሪ 18-44 ኣብ 2009 ብቁፅሪ 18-62 ከምኡውን ኣብ 2009 ብቁፅሪ 19-07 ንዝሓለፉ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀማም እዝኒ ሂባ ኣይተግበረትን።ንህድኣት ሶማልያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ትህውኽ‘ላ፣ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ምስሕሓብ ድማ ንዓለም-ለኸ ሰላምን ህድኣትን ሓደጋ ኮይኑ‘ሎ ኢሉ፣ዝሓለፈ ሰሙን ተወሳኺ ማዕቀብ ብቁፅሪ 20-23 ከምዘሕለፈ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ'ዚ ክትዕ ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን፣ገሊኦም መንግስቲ ኤርትራ ዝቅይሮ ኣንፈት የለን፣ኣብ ቅኑዕ ጉዕዞ ኣሎ ክብሉ ከለው፣እቶም ካልኦት ግና ይኣኽሎ ይብሉ።

ኣቶ ዳንኤል ገ/መድህንን ኣቶ ኣክሊል ተፈኖን እቲ ማዕቀብ ንህዝቢን መንግስቲ ኤርትራ ንምጉዳእን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልምዓታዊ ግስጋሰ ንምኹላፍን ዝዓለመ‘ዩ ይብሉ።

ኣቶ ካሊድ ዓብዱን ኣቶ ኪሮስ ዮሃንስን ብወገኖም፣ኣብ ክንዲ ሳዕቤን እቲ ማዕቀብ ንጠንቁ ኢና ክንዛረበሉ ዝግባእ።ጠንቂ‘ቲ ማዕቀብ ድማ መንግስቲ ኤርትራ‘ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG