ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ኣንቢሩ


ቻይናን ሩስያን ተዓቒበን

ኣባል ሃገራት ኢጋድ ድሕሪ ዘቅረብዎ ምሕፅንታ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ንክሕይል ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሶኒ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘፅደቆ ውሳነ፣ነቲ ማዕቀብ 13 ድጋፍ ክረክብ ከሎ ሩስያን ቻይናን ግና ተዓቅቦ መሪፀን።

እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ፣ኤርትራ ንኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ እስላማዊ ምልሻታት ኣል-ሸባብ ምሕጋዛ ንክተቋርፅ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝቀረበላ ፃውዒት ኣይተማእዘዘትን ይብል።ኣስመራ ንኣል-ሸባብን ካልኦት ጉጅለታት ዕጡቃት ኣይሓግዝኩን ትብል።

እቲ ውሳነ ወሲኹ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ዝርዝር ከይንቀሳቀሱ ዝእገዱ ውልቀ-ሰባትን ገንዘቦም ዝእገዱ ትካላትን ክውስኸሉ ምኻኑ‘ውን ጠቂሱ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG